ብመሰረት እቲ ሓበሬታ ኣብ ክልል ኣምሓራ ከተማ ጎንደር ዝርከቡ
ኣማሓደርቲ እቲ ስርዓት ፍትሒ ንጎኒ ገዲፎም ኣብ ኣድልዎን ምጥሓስ ሰብኣዊ መሰልን ስለ ዝተዋፈሩ በዚ ዓቕሎም ዝፀንቀቑ ነበርቲ
ስጉምቲ ይወስዱ ምህላዎም ድሕሪ ምግላፅ። ካብ’ቶም ስጉምቲ ዝተወሰዶም ሰበ ስልጣን ሓደ ኣላምረው ደጀኔ ዝተብሃለ ናይ ቀበሌ
06 ኣመሓደሪ እንትኾን። ንሱ ብ24 ነሓሰ 2006 ዓ/ም ኣብ ቤት መሰተ
እንዳሃለወ ብኣይተ መኮነንት ስልጣን ዝተብሃለ ነባሪ እቲ ከተማ
ከም ዝተቐተለ ተፈሊጡ።
እዚ ኣብ ልዕሊ ግዕዙያት ኣማሓደርቲ ጉጅለ ኢህወዴግ ዝዉሰድ ዘሎ
ናይ ቅትለት ስጉምቲ ኣብ ከተማ ጎንደር ጥራሕ ዘይኮነስ ኣብ ሙሉእ ኢትዮጵያ ሃገርና ዝፍፀም ዘሎ ናይ ኣይግዛእን ዝመበገሲኡ
ምዃኑ ይፍለጥ።