Tuesday, September 9, 2014

ኣብ ክልል ቤንሻንጉል ጉሙዝ ካብ ሸርቆሌ ጀሚሩ ክሳብ ናይ ህዳሴ ግድብ ዝስርሐሉ ዘሎ ቦታ ንማይ ደው መበሊ ብዝብል ኣብዝበርስ ዘሎ ናይ ተፈጥሮ ኣግራብ ውሽጢ ኣብ ዝተኻየደ ናይ ተኹሲ ምልውዋጥ ቁፅሮም ብዕሊ ዘይተፈለጡ ናይቲ ገዛኢ ዉድብ ወተሃደራት ከም ዝሞቱ ተገሊፁ።



     ብመሰረት ሓበሬታ ምንጭታትና ካብ 18 ክሳብ 20 ነሓሰ 2006 ዓ/ም ካብ ሸርቆሌ ጀሚሩ ክሳብ ናይ ህዳሴ ግድብ ዝስርሐሉ ዘሎ ቦታ መንነቶም ዘይተፈልጡ ዕጡቛት ንዝኸፈትዎ ተኹሲ ስዒቡ ናብ ዙርያ ህዳሴ ግድብ ሰራዊትን ኣፅዋርን እናተጎዓዓዘ ምዃኑ ድሕሪ ምግላፅ ብ25 ነሓሰ 2006 ዓ/ም ልዕሊ 20 ኦራል ዝዓይነተን ወተሃደራዊ መኻይን ዝተፈላለየ ኣፅዋራት ፅዒነን ከም ዝኣተዋ ንምፍላጥ ተኻኢሉ።

     ኣብ’ቲ ቦታ ብመዓልታዊ ስራሕ ዝተዋፈሩ ወገናት ነቲ ቦታ ብህፁፅ ገዲፎም ከም ዝወፁን እቲ ስራሕ‘ውን ንግዚኡ ደው ኢሉ ከም ዘሎን ኣብቲ ከባቢ ካብ ዝርከቡ ኣባላት ምክልኻል ሰራዊት ልሒኹ ዝወፀ ሓበሬታ የመላኽት።

   ካብቲ ክልል እንተይወፃና ኣብ ዞባ ከማሽ ወረዳ ሶጌ ዝርከቡ ኣባላት ኣመራርሓ ናይቲ ገዛኢ ዉድብ ምስ ህዝቦም ኮይኖም ናይ ገዛእ ርእሶም ሰንደቕ ብምድላውን ብምስቃልን ፍሉይ ፌስቲቫል ብምግባር ካብ ናይ ክልልና ተወለድቲ ወፃኢ ዝኾኑ ተወለድቲ ኦሮሞን ኣምሓራን ኣየመሓድሩናን ብምባል ቃለ መሓላ ብምፍፃም ንናይ ኦሮሞ ሽናሻ ብሄረሰባት ካብቲ ወረዳ ከም ዘውፅእዎም ተፈሊጡ።

    እቲ ሓበሬታ ወሲኹ ከም ዝገለፆ እዚ ተግባር እዚ ሃገርና ኢትዮጵያ ዝነበራ ምስሊ ኣስኢኑ ዝበታትን ኮይኑ ዉድብ ኢህወዴግ ዕድመ ስልጣኑ ንምንዋሕ ውሽጢ ውሽጢ ባዕሉ ዝፍፅሞ ዘሎ  እከይ ተግባር ምዃኑ ግዱሳት ዜጋታት ብምረት ይዛረቡሉ ከም ዘለው ንምፋላጥ ተኻኢሉ ኣሎ።