ፀረ ህዝቢ ዝኾኑ ሰበ ስልጣን ኢህወዴግ እቲ ልሙድ ኣብ መንጎ ኣሓት ዝኾኑ ብሄር ብሄረሰባት ሃገርና ናይ ምብኣስን
ምፍላልይን ውዲቶም ብምጥንኻር ይቕፅለሉ ከምዘለ’ውን ነዚ ንምትግባር ድማ ንፁሃት ዜጋታት ብዕጡቛቶም ቀቲሎም ብምድርባይ ኣብ መንጎ ህዝብታት
ምትእምማን ኣስኢኑ ምትፍናንን ንኽፍጠር ኣበርቲዖም ይሰርሑ ምህላዎም ምንጭታትና ካብ ዝተፈላለዩ ከባቢታት ትግራይን ጎንደርን ገሊፆም።
ብመሰረት ሓበሬታ ምንጭታት ቅድም ክብል እቲ ገዛኢ ዉድብ ኣብ መንጎ ተወለድቲ ክልላት ትግራይን ኣምሓራን ዝጀመሮ ናይ ምግጫው ተግባር ንኽጋደድ ዝተፈላልዩ ሽርሕታት ይፍፅም
ምህላዉ ድሕሪ ምግላፅ ከም መቐፀልታ ነሃቱ ኣብ ወረዳ መተማ
ኣርባዕተ ሰባት ብዕጡቛት ኢህወዴግ ተቐቲሎም ከም ዝተረኸቡ
ተፈሊጡ ኣሎ።
ብተመሳሳሊ ነቃ ኣብ ዝተብሃለ ወሰን ሩባ
ብ24 ነሓሰ 2006 ዓ/ም ንግዚኡ ሽሙ ዘይተፈልጠ ንፁሕ ዜጋ ተቐቲሉ ከምዝተረኸበ እቲ ሓበሬታ ውሲኹ ኣመልኪቱ።