Sunday, September 14, 2014

ለውጢ ብቓልሲ እምበር ብሰናይ ድልየት ጥራይ አይመፅእን!



     ህዝቢ ኢትዮጵያ ንዘበናት አብ ልዕሊኡ ይበፅሕ ዝነበረ መስፍናዊ ፀቕጢ ንምእላይ ዝተፈላለዩ ቃልስታት እናካየደን አብ ልዕሊ’ቲ ስርዓት ዝነበሮ መሪር ፅልአት በዝተፈላለዩ መልክዕ ተቓወምኡ ይገልፅ ከም ዝነበረ ታሪኽ ሰንድዎ’ዩ።
   መሪሕ ናይ ለውጢ ዝኾኑ ተመሃሮ ዩንቨርስቲ ሃገርና ስርዓት ሃይለስላሴ አብ ልዕሊ ህዝብና የካይዶ ዝነበረ ግፍዕን ጭቆናን ካብ ስሩ ክመሓው፤ አጠቓላሊ ግዝአት መስፍንነት ተአልዩ ገስጋሲ ብዝኾነ ስርዓት ክትካእን ህዝብና ካብ ዝነበሮ ሕሱም መግዛእቲ ክገላገልን አብ ዝተፈላለዩ ትካላት ትምህርቲ ዝነበሩ ተማሃሮ ብሓፈሻ አብ ዩንቨርስቲ ዝነበሩ ተማሃሮ ድማ ብፍላይ እምቢ ንመግዛእቲ ኢሎም ብምሕራን ናይ ሂወት መስዋእቲ ከፊሎም ናይ ስርዓት ለውጢ አብ ምምፃእ ዓብይ እጃም አበርኪቶም’ዮም።
   ስርዓት ወያነ ኢህወደግ ብቓልስን መስዋእትን ህዝቢ ኢትዮጵያ ናብ ስልጣን ምስ ወፀ’ውን እንተኾነ ቃልሲ አብ ላዕለዎት ትካላት አብያተ ትምህርቲ ዝርከቡ ተመሃሮ ዩንቨርስቲ አየቛረፀን፣ አብ አዲስ አበባ፤ አምቦ፤ ሃረማያ፤ ጅማ፤ ባህርዳር፤ መቐለን ካልኦትን ዝርከቡ ተማሃሮ ነቲ ብስርዓት ወያነ አብ ልዕሊ ህዝብን ሃገርን ዝበፅሕ ዘሎ ናይ መሰል ምጥሓስን ዴሞክራሲያዊ ዓፈናን ምኽንያት ብምግባር ዝተፈላለዩ ተቓውሞታት ብምቕራቦም ጥራይ አዝዮም ብዙሓት ንፁሃን ወገናት አብ አብያተ ማእሰርቲ ተዳጒኖም ክሳቐዩ፤ ክቕተሉን አሰሮም ክጠፍኡን ክኢሎም’ዮም።
    አብ ስልጣን ዝርከብ ገዛኢ መንግስቲ ኢህወደግ አቲናዮ አብ ዘለና 2007 ዓ/ም ብፍላይ አብ’ቲ ዝዳሎ ዘሎ ናይ ይምሰል መረፃ ፅልዋን ስግአትን  ክኾኑ ይኽእሉ’ዮም ኢሎም ንዝጠርጠርዎም ተመሃሮ ላዕለዎት ትካላት ከምቲ ኩሉ ሳብ እዋን መረፃ እንትቀራረብ ዝገብርዎ መሰሪ ተግባራት ሕዝውን ከም ልሙድ ካብ ናይቶም ተምሃሮ ድሌት ወፃኢ አገዲዶም ንሰሙናት ዝአክል ሰፋሕቲ ጎስጓሳት አብ ምክያድ ተፀሚዶም ቀንዮም’ዮም።
     እቲ ዘገርም ናይ’ቲ አኼባ ዕላማን መልእኽትን ግልፅን አዝዩ ዝነፀረን ከም ዝኾነ እኳ ዝፍለጥ እንተኾነ እቶም ነቲ ስርዓት ስግአት ክኾኑ ይኽእሉ እዮም ዝተባህሉ ወገናት አብ ዘይድልየቶም እናተገደዱ ክእከቡ ወላ እንተተገብረ ነቲ ብኻድረታት ናይ’ቲ ስርዓት ዝወሃብ ዘሎ አስተምህሮታት ብምቅዋም እቲ አብ ልዕሊ ህዝቢ ዘብፀሖ ዘሎ ፀገማት እናልዐሉ ቁልፊ ሕቶታት ይሓቱ ምህላዎም’ዩ።
     እንተኾነ ግን  ካድረታት ናይ’ቲ ስርዓት በቶም ተምሃሮ ይቐርብ ንዘሎ ሕቶታት ናይ ምምላስ ብቕዓትን ሞራልን ስለ ዘይብሎም ከምቲ ኩሉሳብ እናሰርሕሉ ዝመፁ እኹል መልሲ እንከይሃብሉ አድበስቢሶም ሓሊፎሞ’ዮም።
     ይልዓሉ ካብ ዘለው ቁልፊ ሕቶታት ንገሊኦም ንምርአይ-
-    አብ ልዕሊ መራሕቲ ሃይማኖት ዝበፅሕ ዘሎ ፀረ ህዝቢ ገበናት ጠጠው ይበል፤
-    ንተቓወምቲ ውድባት ንዝመረፁ ሓረስቶት መሬቶም እናመንጠልካ ንኮራኹር’ቲ ስርዓት ምዕዳል አግባብነት የብሉን፤
-    ሰፋሕቲ መሬት ንኢንቨስተራት ባዕዲ ምዕዳል። ንሉአላውነት ሃገርና ዝጥሕስ’ዩ፣
-    ካብ ሓደ ክልል ናብ ካልእ ክልል ዝግበር ዘሎ ናይ መሬት ሽግሽግ አግባብነት የብሉን፣
-    አብ ክልል ኦሮሞ ሓወልቲ ምኒሊክ ምስራሕ ንምንታይ አድልዩ?
-    ኢህአዴግ ዝሃንፆ ዘሎ ትሕተ ቅርፂ ትሑት’ዩ፤
-    ገዛኢ መንግስቲ ኢህወደግ ብክራይ አካብነት አተሓሳስባ ዝጠልቀየ ፀረ  ህዝቢ ስርዓት’ዩ ዝብሉን ካልኦት ብርክት ዝበሉ ሕቶታትን ምልዓሎም ይፍለጥ፣

   ካድረታት ወያነ ኢህወደግ 2007 ዓ/ም ንዘካይድ ሹማዊ መረፃ ግምት ዘእተወ ብስም ዓቕሚ ምዕባይ ስልጠና- አብ ህንፀት ዴሞክራሲያዊ ስርዓት፤ ሰናይ ምምሕዳር፤ አጠቓላሊ እታ ሃገር ትምርሓሉ ዘላ ፀረ ህዝቢ ፖሊስን ስትራተጅን አመልኪቶምቱ ክካይድዎ ዝቐነዩ ፅዑቕ ጎስጓስ እዋኑ ዝሓለፎ ዝበለየ ብልሓትን ንጥበራን ምድንጋርን ዝተኻየደ አኼባን ምኻኑ ባዕሎም እቶም አብቲ አኼባ ዝተሳተፉ ተመሃሮ ከይቀረየ ገልፆሞ’ዮም።
    ንምጥቕላል ታሪኽ ተመሃሮ ሃገርና ታሪኽ መቐይሮ ስርዓት ሃገርና ምዃኑ ይፍለጥ እዩሞ መናእሰይ ሃገርና ብሓፈሻ ተመሃሮ ላዕለዎት ትካላት ድማ ብፍላይ ለውጢ ብቓልሲ’በር በሰናይ ድልየት ጥራይ ከምዘይመፅእ ብምእማን ነቲ አብ ሕሉፍ እዋን ብአያታትኩም ዝለዓል ዝነበረ ፀረ ጨቆንቲ ምንቅስቓስ ብምዝካርን አሰሮም ብምስዓብን አንፃር ህዝብን ሃገርን ጠጠው ንዝበሉ ሓይልታት እቲ ስርዓት ብምቅዋም ሕዝውን ናይ ለውጢ መሪሕነትኩም አጠናኺርኩም ክትቅፅልሉ ይግባእ።