Monday, September 22, 2014

መንእሰይ ሓይሊ ሃገርና ቀንዲ ናይ ለውጢ ሃወርያ’ዩ



ናይ ዝኾነ ሃገር ምዕባለን ሰላምን ክረጋገፅ ዝኽእል መንግስቲ በዝሕንፀፆ ቅኑዕ ስልትን ስትራተጅን ጥራይ ዘይኮነስ ነቲ ዝተቀመጠ ስትራተጂ ጠቓምነቱ አስተባሂሉ ናብ ተግባር ከሽርፍ ዝኽእል መንእሰይ ዜጋ ወይ ሕብረተሰብ እንትህሉ እውን’ዩ።
     መንእሰይ ሓይሊ! ምዕባለ ሃገርን ጥቕሚ ህዝቢ ከረጋግፅ ንዝኽእል ፕሮግራም ቀልጢፉ ዘለሊ፤ ንስሙ ተባሂሉ ዝፀሓፍ ዝመልከዐ ብርዒ ብአግባቡ ዝግንዘብ፤ ብሓፈሻ ንረብሕኡ ዘይውክል ስርዓትን አመራርሓን አብ ልዕሊኡ እንተሽካዕልል ፈፂሙ ዘይቕበልን ናይ እንቢታ ድምፂ ካብ ዘስምዑ ክፋል ሕብረተሰብ እቲ ብቐዳማይ ደረጃ ዝስራዕ ደላይ ለውጢ’ዩ።
     አብ ሃገርና ዝርከብ ፀረ ዴሞክራሲያዊ መንግስቲ ይኽተሎ እየ ዝብሎ መስመር ማእኸሉ ንባዕሉን ኮራኹሩን እምበር ናይ’ቲ አብዝሓ ህዝቢ ጥቕምን ረብሓን ዘማእኸለ ስለዘይኮነ። ብፍላይ እቲ መንእሰይ ሓይሊ። ነቲ ሰላምን ምዕባለን አስኢኑ አብናይ ውልቁ ረብሓ ጥራይ ሃተምተም ዝብል ዘሎ ከዳዕ ስርዓት አልዮ ናይ’ቲ አብዝሓ ብዱል ህዝቢ ጥቕሚ ከረጋግፅ ዝኽእል ስርዓት ንምምፃእ ብዝተፈላለየ መልክዕ ክቃለስ ፀኒሑ’ዩ።
     አብ ዝሓለፈ ሰሙን ቀዳማይ ሚኒስተር ስርዓት ኢህወደግ ሃይለማርያም ደሳለኝ ብስም መናእስይ ሊግ ኢህወደግ አብ ከተማ አዲስ አበባ ንዝተአከቡ መናእሰይ ቀፃሊ ንዝካየድ ስማዊ መረፃ አጫፍርቲ አዳልዩ ንምፅናሕን ደገፍቲ ክኾኑ ይኽእሉ’ዮም ኢሉ  ተስፋ ንዘንበረሎም ስራሕ ዝሰአኑ መናእሰይ ንምድላው ዓሊሙ አብ ዘካይዶ አኼባ በቶም ተሳተፍቲ ወሰንቲ ዝኾኑ ሕቶታት አብዘቕረብሉ እዋን ዘሕፍርን ቀልዲ ዝተመልኦ መልስን እንትህብ ተዓዚብና’ና።
   አብ’ቲ አኼባ ዝተረኸቡ መናእሰይ ካብ ዘልዓልዎም ሕቶታት ንገሊኦም ምስንርኢ!
1-  መንግሲቲ ኢህወደግ በብዓመቱ ብዓሰርተ እሸሓት ተመሃሮ ካብ ዝተፈላለዩ ዩንቨርሲታትን ኮለጃትን ወላ እንተመረቐ ነቶም ተመረቕቲ ዝፀውር ናይ ስራሕ ቦታ ግን ከዳሉ እይከአለን!
2- መንግስቲ አብ ሃገርና ንዘሎ ብስእነት ስራሕ ዝሳቐ መንእሰይ ልቃሕ አብ ምሃብን ዕዳጋ አብ ምትእልላሽን ፀገማት አለዎ ዝብሉን ካልኦት ቁልፊ ሕቶታትን አብ ዘልዓልሉ እዋን
   ሃይለማርያም ደሳለኝ- ዓበይቲ ናይ ኢንቨስትመንት ስራሕቲ አብ ዝካየደሉን ቅልጡፍን ተኸታታልን ዕብየት አብ ዝረጋገጸሉ ሃገር በብዓመቱ ብአሸሓት ዝቑፀሩ ተመሃሮ ወላ እንተተመረቑ ስራሕ አይሰአንን፤ 80 ሚሊዮን ህዝቢ አብ ዝርከባ ሀገር በብዓመቱ 10 ሽሕን ካብኡ ንላዕልን ተመሃሮ ምምራቕ ብጣዕሚ ውሕድ’ዩ ኢሉ እንትምልስ፤ ልቃሕ አብ ምሃብን ካልኦትን አመልኪቶም ንዝቐረቡ ሕቶታት’ውን ከምዚ ክብል ገልፂዎ’ዩ፣ በደረጃ መንግስቲ ወላ ሓደ ልቃሕ ናይ ምሃብ ሽግር ከም ዘየለ እቲ ፀገም ናይ አድልዎን ክራይ አካብነት ሽግር ከም ዝኾነን አብ ናይ ዕዳጋ ምትእልላሽ ዝምልከት’ውን ደቀቕትን አናእሽተይን ትካላት ዘፍርዩዎም አቑሑት ፅሬቶም ትሑት ስለዝኾነ’ዩ ክብል ዘሕፍር መልሲ ሂብሉ እዩ።
    ኣቶ ሃይለማርያም ደሳለኝ አብ ገለገሊኡ ዝሃቦ መልሲ ብትኽክል አቐሚጥዎ’ዩ።እቲ ስርዓት ብግቦን አድልዎን ዝበስበሰን ዝተጨማለቐን ምዃኑ ካብ ብጊሓቱ ናብ ስልጣን ምስ ወፀ ኣቲሕዙ ብሰፊሑ እናተጠቐመሉን እናተግበሮን ዘሎ ርካሽ ተግባር ምዃኑ ኩሉ ህዝቢ ኢትዮጵያ ይፈልጦ’ዩ። እቲ ፀገም‘ውን እቲ በቲ ስርዓት ዝፍፀም ዘሎ በደል ናይ ምፍላጥን ዘይ ምፍላጥን ጉዳይ ዘይኮነስ  እቲ ስርዓት ናብ ስልጣን ካብ ዝወፅእ ክሳብ ሕጂ ብህዝቢ ንዝለዓሉ ሕቶታት ብዝግባእ ክምልስን ለውጢ ከምፅእ ብዘይምኽአሉን ጥራይ’ዩ።
    መናእሰይ ሃገርና ብሰንኪ ፀረ ህዝቢ ስርዓታት አብ ገዛእ ሃገሮም ሕሱም ድኽነት ከሕልፉ፤ ከይተመሃረ ንዘምሃሮም ድኻ ሕብረተ ሰብ ክሕግዙን ክጥውሩን ብዘይምዕዳሎም፤ ፈቐዶ ስደት ክብተኑ፤ አብ ዘይተደለዩ ርካሽ ተግባራት ተፀሚዶም ንክውዕሉ ምኽንያት ኮይኑ ዘሎ። አብ ሃገርና ተፈጢሩ ብዘሎ ብልሹው ስርዓት  ምዃኑ ዘተሓታትት አይኮነን።
   ንምጥቅላል- መራሕትን ካድረታትን ስርዓት ኢህወደግ ሃኒፅናየን ዝብልዎን ፋብሪካታት ወይ ብባዕዳውያን ሰብ ሃብቲ ዝጣየሻ ዘለዋ ትካላት ረብሓን ጥቅምን ህዝቢ ከረጋግፃ ተሓሲበን ዘይኮናስ ሰበ ስልጣን እቲ ስርዓት ምስ ባዕዳውያን ተስማዕሚዖም ናይቲ መንእሰይ ርካሽ ጉልበት ንምምዝማዝን ሃፍቲ ሃገር ጓሕጒሖም ሃፍቶም ናይ ውልቆም ንምኽዕባትን ብምሕሳብ ጥራይ ስለዝኾነ ነዚ ውልቃዊ አትሓሳስብኦምን ዘይፀግበ ሽውሃቶምን ንምብርዓን ብፍላይ መንእሰይ ሓይሊ ሃገርና ቀንዲ ናይ ለውጢ ሓይሊ’ዩሞ ሕጅውን ከም ቀደም ታሪኻዊ ሓለፍነቱ አብ ምፍፃም ልዑል ግደ ክፃወት ይግባእ።