Sunday, September 28, 2014

ኣብ ዞባ ምዕራብ ሽዋ ወረዳ ኣምቦ ጣቢያ ብሎ ዝርከቡ ሓረስቶት። ብግፍዓዊ ኣካይዳ ገዛኢ መደብ ኦህዴድ-ኢህወዴግ ይቕተሉ ምህላዎም ተገሊፁ።



ብመሰረት ሓበሬታ ምንጭታትና ኣብ ክልል ኦሮሚያ ዞባ ምዕራብ ሽዋ ወረዳ ኣምቦ ጣቢያ ብሎ ዝርከቡ ሓረስቶት ካብ ነዊሕ ዓመታት ጀሚሮም ክሓርስሉ ዝፀንሑ ጉሮምቲ ብዝብል ዝፍለጥ ቦታ ኣመሓደርቲ እቲ ከባቢ ብዘይ ዝኾነ ተለዋጢ ከሃቡ ኣይትሓርስዎን እሎም ነቶም ሓረስቶት ምስ ከልከልዎም እቶም  ሕጋዊ መሬትና እዩ ክንሓርስ ኢና እሎም  ክሓርሱ ኣብ ዝፈተንሉ እዋን ብልኡዃት ምልሻ ከም ዝተቐተሉ ኣፍሊጡ።
እቶም ዝተልኣኹ ሚልሻ ብሓይሊ ክኣልይዎ ብምሕሳብ ምስ’ቶም ሓረስቶት ኣብ ዝፈጠርዎ ጎንፂ ካብ’ቶም ምልሻ ሓደ ተከተል ደቦጩ ዝተብሃለ ብዝተኮሶ ጥይት ንኣይተ ጎሳየ ዝብሃል ሓረስታይ ክቐትሎ እንከሎ ካልኦት ብዝተኮስዎ ድማ 4 ንፁሃት ሰባት ብፁኑዕ ቆሲሎም ኣብ’ቲ ወረዳ ናብ ዝርከብ ሆስፒታል ከም ዝተወስዱ ንምፍላጥ ተኻኢሉ።

በቲ ዝተፈጠረ ጎንፂ ነበርቲ እቲ ከባቢ ተቖጢዖም ናብ ምምሕዳር ወረዳ ጥርዓኖም ኣብ ዘስምዑሉ እዋን እቲ ምምሕዳር ኣፈራሪሑ ከም ዝመለሶም እቲ ሓበሬታ ወሲኹ ገሊፁ።