Sunday, September 28, 2014

ኣብ ኩለን ዞባታት ትግራይ ዝርከባ ኣብያተ ትምህርቲ ዝርከቡ መምህራን ብካድረታት ስርዓት ህወሓት-ኢህወደግ ኣብ ዝተገበረሎም ተኸታታሊ ኣኬባ ዘልዓልዎም ሕቶታት ግቡእ ምላሽ ከም ዘይተውሃቦም ተገሊፁ።



ኣብ መቐለ፤ኣኽስም፤ዓዲ ግራትንሽረን ብሓፈሻ ኣብ ኩለን ዞባታት ዝርከቡ መምህራን ንልዕሊ ሓደ ሰሙን ካድረታት ኢህወዴግ  ኣብ ኣስገዳድ ኣኼባ ፀሚዶሞም ከም ዝቐነዩን ዘለውን ዝገለፀ እቲ ሓበሬታ ኣጀንዳ ናይ’ቲ ኣኼባ ድማ ፖሊሲ መንግስቲ፤ ታሪኽ ኣመፃፅእ ህወሓት-ኢህወዴግን ካልእን ዝብሉ ዋላ’ኳ እንተነበሩ  ብወገን እቶም መምህራን ግን  ነቲ ዝቐርብ ዝነበረ ሓሳባት ካብ ሓቂ ዝረሓቐ ንፖለቲካዊ ሃልኪ ዝተቐናበረ ጎስጓስ ብምቕራብ ኣእምሮና ኣይተደንቁርና ብምባል ከም ዘይተቐብልዎ ተፈሊጡ።

      እቲ ሓበሬታ ወሲኹ እቶም መምህራን ኣብ ልዕሊ ህዝብና ዝፍፀም ዘሎ ምጥሓስ ሰብኣን ዲሞክራስያውን መሰላት ኣመልኪቶም ዘቐረብዎም ብርክት ዝበሉ ሕቶታት እቶም መራሕቲ ናይ’ቲ ኣኼባ ብኣግባቡ ክምልስዎም ስለ ዘይከኣሉ እቲ ኣኼባ ብዘይ መዛዘሚ ሓሳብ ይብተን ከም ዘሎ ተገሊፁ።