Tuesday, September 16, 2014

ኣብ ከተማ ጎንደር ዝርከቡ ናይ ፖሊስ ኮሚኒቲ ንፁሃት ዜጋታት ይእስሩን ይቐትሉን ምህላዎም ምንጭታትና ካብ’ታ ከተማ ዝለኣኽዎ ሓበሬታ የመልክት።



    ብመሰረት ሓበሬታ ምንጭታትና ኣብ ክልል ኣምሓራ ከተማ ጎንደር  ቀበሌ 08 ዝርከቡ ፖሊስ ኮሚኒቲ ኣብ ልዕሊ ንፁሃት ዜጋታት ግፍዕታት የወርዱ ምህላዎም ድሕሪ ምግላፅ ነቶም ግፍዕታት ዝፍፅሙ ዘለዉ ፖሊስ ኮሚኒቲ ዘማእኽሎም ዋና  ሳጅን ተስፋዬ ኩንሳ እንትኾን ንሱ ንሓደ ወዲ ኩራቴ በለጠ ንዝተብሃለ ንፁህ ዜጋ ዝፈፀሞ ገበን ዘየብሉ ብዓይኒ ጥርጣረ ኣሲርዎ ከብቕዕ ክሃድም ፈቲኑ ብምባል ብ1 ጳጉሜን 2006 ዓ/ም  ብጥይት ተኹሱ ከም ዝቐተሎ ተገሊፁ።

 እዚ ብፖላዊስ ጉጅለ ኢህወዴግ ኣብ ልዕሊ ንፁሃን ዜጋታት ዝፍፀም ዘሎ  ናይ ማእሰርትን መቕተልትን ገበናት ኣብ ከተማ ጎንደር ጥራሕ ዘይኮነስ ኣብ ሙሉእ ሃገርና ኢትዮጵያ ዝካየድ ዘሎ ጭካነ ዝተምልኦ ኢሰብኣዊ ተግባር ምዃኑ ብዙሓት ተዓዘብቲ ይገልፁ ምህላዎም እቲ ሓበሬታ ኣብ መወዳእታ ገሊፁ።