Tuesday, September 16, 2014

ኣማሓደርቲ ከተማ ዓዲ-ግራት ንመሰረት ልምዓት እታ ከተማ ተባሂሉ ካብ ህዝቢ ዝተዋፀአ ገንዘብ ኣብ ውልቓዊ መነባብሮኦም የጠፋፍእዎ ምህላዎም ተፈሊጡ።



እዞም ኣብ ዞባ ምብራቕ ዝርከቡ ኣመሓደርቲ ከተማ ዓዲ-ግራት ንኸምስሉ ህዝቢ ኣኪቦም ኣብ ከተማና ዘሎ ፀገም መሰረት ልምዓት ንምፍታሕ ገንዘብ ከዋፅእ ብምግዳድ ዝኣከብዎ ገንዘብ ኣብ መዓልኡ ከይወዓለ መስርሒ ውልቃዊ ትካላቶም የጠፋፍእዎ ምህላዎም ዝገለፀ እቲ ሓበሬታ ካብ’ቶም ገንዘብ ህዝቢ ኣብ ምጥፍፋእ ዝተዋፈሩ ሓደ ናይ ከተማ ዓዲ-ግራት ከንቲባ ኣይተ ተስፋልደት ደስታ እንትኾን ንሶም ንመስርሒ ስታድዮም ተባሂሉ ካብ ህዝቢ ዝተዋፀአ ልዕሊ 600 ሽሕ ብር ስለ ዘጠፋፍኦ በዚ ዝነደረ ህዝቢ ድማ  ሓያል ስምዒት ሒዙ ከም ዘሎ ገሊፁ።

     እቲ ሓበሬታ ኣስዒቡ ናይታ ከተማ ኣመሓደርቲ ብወገኖም  ገንዘብ ንምትራፍ ክብሉ ምስ ኮንትራክተራት እናተሻረኹ ፅሬት ዘየብሉ ፕሮጀክት ክስራሕ ይገብሩ ምህላዎም ድሕሪ ምግላፅ ካብ’ቶም ፕሮጀክታት ሓደ ኣብ ማእከል ከተማ  ዓዲ-ግራት ተሰሪሑ ዝተብሃለ  ቢያሳ /ጅራ ፍየሪ/  ንህንፃ መስርሒ ዘድልይ ከም ስሚንቶ ካልኦት ማተርያል ስለ ዘይተገበረሉ፤ ፅሬት ብዘየብሉ ስለ ዝሰንዕዎን ድሮ ክፈርስ ዝተዓዘቡ ነበርቲ ድማ  እዚ ስራሕ ክበላሾ ዝኸኣለ  ከንቲባ ናይዛ ከተማ ምስ’ቶም ኮንትራክተራት ተሰማሚዑ ጉቦ ብምቕባል  ክትትል ስለ ዘይገበሩሉ’ዩ እናበሉ ኣብ ልዕሊ እቲ ምምሕዳር ዘለዎም ፅልኣት ይገልፅ ምህላዉ ተፈሊጡ።