Thursday, September 18, 2014

ነበርቲ ከተማ ነቀምቲ ብሰንኪ ሕፅረት መሰረት ልምዓት መነባብሮኦም ክመርሑ ተፀጊሞም ከም ዘለዉ ምንጭታትና ካብታ ከተማ ገሊፆም።



ኣብ ክልል ኦሮምያ ነበርቲ ከተማ ነቀምቲ ብሰንኪ ሕፅረተ መሰረት ልምዓት ኣብ ከቢድ ፀገም ወዲቑ ምህላዉ ዝገለፀ እቲ ሓበሬታ ብፍላይ ኣብታ ከተማ ቀረብ ዝስተ ፁሩይ ማይ ብዘይ ምህላዉ ብዙሓት ሽማግለታንት ህፃናትን ዝርከብዎም ነበርቲ እቲ ከተማ ንተመሓላለፍቲ ሕማማት ተቓሊዖም ከም ዘለዉ ተገሊፁ።

     እቲ ሓበሬታ ኣስዒቡ ብዙሓት ሰብ ውልቀ ትካላት እታ ከተማ  ብሰንኪ ሕፅረት  ማይ  ዕለታዊ ስረሖም ከሰላስሉ ስለ ዘይከኣሉ  ከም ዉፅኢቱ ድማ ንክሳራ ተቓሊዖም ብምህላዎ ኣብ ትሒቲኦም ንዝሰርሑ ሰራሕተኛታት ክሰጉዎም ይግደዱ ስለ ዘለዉ እቶም ሰራሕተኛታት ድማ ብስእነት ሰራሕ እናተሳቐዩ ከም ዝርከቡ ገሊፁ።

  ነዚ ኣጋጢምዎም ዘሎ ሕፅረት ማይ ክፍታሓሎም ናብ ዝምልከቶም ኣካላት ኣመልኪቶም ግቡእ ምላሽ  ከም ዝሰኣኑ ዝገለፀ እቲ ሓበሬታ ከምኡ’ዉን  ንማሕበራዊ መነባብሮ ዘገልግሉ  ሃለኽቲ መግብታት ካብታ ከተማ ስለ ዝጠፍኡ ተወሳኺ ፀገመ እቶም ነበርቲ ኮይኑ የሳቕዮም ከም ዘሎ ኣፍሊጡ።