ብመሰረት ካብ ዉሽጢ ስታፍ ምክልኻል ሰራዊት ልሒኹ ዝበፀሓና
ሓበሬታ ወተሃደራት ገዛኢ ዉድብ ኢህወዴግ ሕፅረት ማሕበራዊ መነባብሮን ፍታሕዉነት ዝጎደሎ ኣሰራርሓ ኣዘዝትን ክፃወርዎ ስለ
ዘይከኣሉን ተስፋ ስለ ዝቖረፁን ኣሃዱታቶም ራርሕሪሖም ዝጠፍኡ ካብ ግዜ ናብ ግዜ ብምብርኻቶም መሳርዕ ጥርሐን ብምትራፈን
ዝተጨነቑ ኣመራርሓ ሓሙሽተ እዚታት ብሳሞራ ዮንሱን ብሚኒስተር ምክልኻል ስራጅ ፈርጌሳን ዝምራሕ ህፁፅ ኣኼባ ኣብ ኣዲስ ኣበባ
ኣብ ምክያድ ከም ዝርከቡ ኣረዲኡ።
እቶም ነቲ ኣኼባ ዝመርሑ ዘለዉ ሰበ ስልጣን ሒዘሞ ዝቐረቡ ኣጀንዳ
ነቲ ኣሁዱኻ ገዲፍካ ምጥፋእ ወተሃደራት ጠቕሊልካ ጠጠዉ ንምባል ወይ ቁፅሩ ንምቕናስ እንታይ ንግበር ዝብል ኮይኑ ከም መማረፂ
ባዕሎም ዘቕረብዎ ባጀት ምዉሳኽ ዝብል ሓሳብ እኳ እንተኾነ ተኣከብቲ ሓለፍቲ እዝታት ግን እቲ ወሰኽ ባጀት ግዝያዊ ፍታሕ
እምበር ዘላቒ ፍታሕ ኣየምፅን። ነቲ ምጥፋእ ወተሃደራት ከም ቀንዲ ምኽንያት ቀፃሊ ብታሕተዎት ኣዘዝቲ ፀረ-ዴሞክራሲ ኣካይዳ ስርዓትና
ከም ዝኾነ ዝቐርበልና እንተዘይ ፈትሕናዮ እቲ ዝድለ ዘላቒ መፍትሒ ኣይርከብን ከም ዝብሉ እቲ ሓበሬታ ወሲኹ ኣገንዚቡ።
በዚ ዝተለዓለ ኣጀንዳ ኣብ ሓደ መዕለቢ ክበፅሑ ዘይከኣሉ ኣከብትን
ተኣከብትን ላዕለዎት ሰበ ስልጣን ሰራዊት ምክልኻል ኢህወዴግ በቲ ሓደ ወገን መፍትሒ ተባሂሉ ዝቐረበ ሓሳብ በቲ ናይቲ ካልእ
ወገን ተቓዉሞ እናፈረሰ ዕንክሊል ኢናበሉ ኣኼብኦም ኣብ ምቕፃል ከም ዘለዉ ንምፍላጥ ተኻኢሉ።