Thursday, September 4, 2014

ካድረታት ገዛኢ መደብ ህወሓት-ኢህወዴግ ኣባላት ውድብ ንኽትኮኑ ብምባል ኣገዲዶም ሓደሽቲ ሰባት እናመልመሉ ስልጠና ኣብ ምሃብ ተፀሚዶም ከም ዘለው ተገሊፁ።



 ብመስረት ሓበሬታ ምንጭታትና ከም ዘመላኽቶ ኣብ በብወረድኡ ዝርከቡ ኣመሓደርቲ ህወሓት-ኢህወዴግ ኣባላት ውድብ ታሕተዎት ኣመራርሓ ንኽትኮኑ ብምባል ኣገዲዶም ሓደሽቲ ሰባት ብምምልማል ን19 መዓልቲ ዝኣክል ናይ ካድረ ትምህርቲ ከሰልጥንዎም ከም ዝቐነዩ ተፈሊጡ፣
 ዝርዝር ናይቲ ስልጠና ኣጀንዳታት ድማ ኣብ ኣርባዕተ ዝተኸፈለ እንትኾን
1 ብዛዕባ ታሪክ ውድብ ዝምልከት
2 ናይ ከተማ ልምዓት ምስ ናይ ተሃድሶ ምትሕሓዙ
3 ታሕተዋይ ኣመራርሓ ክበፅሖ ዝግበኦ ደረጃ
4 (በንች-ማርክ) Benchmark ማለት እንታይ ማለት እዩ? ዝብሉ ኮይኖም 4ኣሰልጠንቲ ተመዲቦምሎም 1,227 ሰባት ኣብ ክልተ ቦታ ተኸፊሎ ካብ ዕለት 21 ሓምለ 2006ዓ/ም ክሳብ 8 ነሓሰ 2006 ዓ/ም ክስልጥኑ ከም ዝቐነዩን እቲ ስልጠና ገና ክቕፅል ከም ዝኾነን እቲ ሓበሬታ ወሲኹ የረድእ።