Thursday, September 4, 2014

ኣብ ዞባ ሰሜናዊ ምዕራብ ትግራይ ከተማ ሸራሮ ዝርከብ ክፍሊ መጓዓዝያ ንተጓዓዝቲ ልዕሊ መጠን ዝኾነ ክፍሊት ይሓትት ብምህላው ተገልገልቲ መረረቶም ኣብ ምስማዕ ከም ዝርከቡ ተፈሊጡ።



    ካብ’ቲ ቦታ ዝረኸብናዮ ሓበሬታ ከም ዘመልክቶ ካብ ከተማ ሸራሮ ናብ ሑመራ ዝጓዓዙ ተሳፈርቲ ንሓደ ሰብ ልዕሊ 170 ብር ክኸፍል ይግደድ ብምህላው ብፍላይ ናብ ስራሕ ዝመላለስ ድኻ ሕብረተሰብ ኣዝዩ ተፀጊሙ ከምዘሎ ንምፍላጥ ተኻኢሉ።

     በዚ ዝተማረረ ተገልጋሊ ሕብረተሰብ ድማ ፍታሕ ክግበረሉ ናብ ዝምልከቶም ኣካላት ጥርዓኑ ዋላ‘ኳ እንተቕረበ ሰማዒ እዝኒ ከም ዝሰኣነ ተፈሊጡ ኣሎ።