Thursday, September 4, 2014

ኣብ ከተማ መቐለ ናይ ኣሸንዳ በዓል ዘኽብሩ ዝነበሩ መናእሰይ ፖሊስ ኣብ መንጎ ኣትዮም ክብትንዎም ኣብ ዝፈተኑሉ ብዝተፈጠረ ግጭት ምኽንያት ኣድራሽኡ ናብ ዘይተፈለጠ ቦታ ተወሲዶም ከም ዝተኣስሩ ተፈሊጡ።



   ምንጭታትና ዝለኣኹልና ሓበሬታ ከም ዘመላኽቶ ብ18 ነሓሰ 2006 ዓ/ም ናይ ራያ ባህላዊ ክዳን ተኸዲኖም ኣብ ከተማ መቐለ ከባቢ ሓዉዜን ኣደባባይ  ናይ ኣሸንዳ በዓል ዘኽብሩ ዝነበሩ መናእሰይ ፖላዊስ ኣብ መንጎም ኣትዮም ክብትንዎም ኣብ ዝፈተኑሉ እዋን ግጭት ስለ ዝተፈጠረ ሓደ ፖሊስ ብከቢድ ክቖስል እንከሎ ሓደ ድማ ተመጣጣኒ ጉድኣት ከም ዝበፅሖ ተፈሊጡ።

   ብድሕሪ’ዚ ናብቲ ቦታ ንፖሊስ ክሕግዙ ዝመፁ ፈጥኖ ደራሽ ተባሂሎም ዝፅዉዑ ዕጡቛት ገዛኢ መደብ ኢህወዴግ ነቶም በዓል ኣሸንዳ ዘኽብሩ ዝነበሩ መናእሰይ ብክልተ ፓትሮል መኪና መሊኦም ኣድራሽኡ ናብ ዘይተፈልጠ ቦታ ከም ዝወሰድዎም ተገሊፁ።