Thursday, September 18, 2014

ኣብ ከተማ ነቀምትን ወለጋን ዝርከቡ ወተሃደራት ነበር ብማሕበር ተወዲቦም ንመስርሒ ዝውዕል ቦታ ንኽወሃቦም ዘቕረብዎ ጥርዓን ኣማሓደርቲ ስለ ዝነፀግዎ መረረቶም ይገልፁ ምህላዎም ተሓቢሩ።



እቶም ወተሃደራት ነበር ነበርቲ ከተማ ነቀምትን ወለጋን  ንዘጋጥሞም ዘሎ ስእነት ስራሕ ከቃልሉን ዕለታዊ መነባብሮኦም ክመርሑን ብምሕሳብ ብማሕበር ተወዲቦም  ክሰርሕሉ ዝኽእሉ ቦታ  ክወሃቦም ዘቕረብዎ ጥርዓን ብምምሕዳር ጉቡእ ምላሽ ክረኽቡ ከም ዘይከኣሉ ዝገለፀ እቲ ሓበሬታ  ከም ሰዓብየኑ ድማ ናብ ሰደት ከምርሑ ይግደዱ ከም ዘለዉ ተፈሊጡ።

    እቲ ሓበሬታ ኣስዒቡ ኣማሓደርቲ እተን ከተማታት ‘ቶም ወተሃደራት ነበር ተወዲቦም ክሰርሑ እንተጀሚሮም ብሓደ ኮይኖም ኣብ ልዕሊ እቲ ገዛኢ ወድብ ኢህወዴግ ዓመፅ ከልዕሉ ይኽእሉ እዮም ዝብል ስግኣት  ስለዝ ሓደሮም ነቲ ዝመስረትዎ ማሕበር ንኽፈርስ ይገብሩ ምህላዎም ድሕሪ ምግላፅ ስራሕ ፈቲሖም ስደት ከይከዱ ዝተረፉ ወተሃደራት ነበር ድማ  ኣብ ዘይተደልዩ  ስፍራታት ክውዕሉን ግዳይ  ወልፍታት  ይኾኑ ምህላዎም ኣረዲኡ።