Saturday, September 20, 2014

ዉልቃዊ ስርሖም ንምስላጥ ናብ ከባቢ ሩባ መረብ ዝተንቀሳቐሱ መናእሰይ ምስ ተቓወምቲ ትራኸቡ ኣለኹም እናተበሃሉ ይእሰሩ ከም ዘለዉ ተሓቢሩ።


ብመሰረት ሓበሬታ ምንጭታትና ኣብ ዞባ ሰሜናዊ ምዕራብ ትግራይ ወረዳ መደባይ ዛና ዝርከብ ሕብረተሰብ ማሕበራዊ መነባብርኡ ንምምራሕ ዘድልይዎ ንጥፈታት ንምፍፃም ናብ ከባቢ ሩባ መረብ ከይንቀሳቐስ ተኸልኪሉ ከም ዘሎ ድሕሪ ምግላፅ ከም ዉፅኢቱ ከኣ ነበርቲ እታ ወረዳ ዝኾኑ 19 መናእሰይ ብ1 መስከረም 2007 ዓ.ም ለኻ ከምፅኡ ናብ ሩባ መረብ ኣብ ዝኸድሉ ንስኹም ዕጥቃዊ ቃልሲ ምስ ዘካይዱ ዉድባት ክትረኸቡ ኢኹም ከይድኩም ብዝብል ምኽንያት ኣብ ከተማ ሰለኽለኻ ተኣሲሮም ከም ዝርከቡ ኣረዲኡ።
ካብ’ቶም ተኣሲሮም ዘለዉ መናእሰይ ናይ ዝተወሰኑ ኣሽማት ንምጥቃስ 1. ኤፍሬም ቀጭኑ 2. ምስግና መዓሾ 3. ሓሰን ዑስማን 4. ቴድሮስ ኣማረን ዝበሃሉ ከም ዝርከብዎም ድሕሪ ምጥቃስ ቤተሰቦም ከይሓትዎም ብፍሉይ ሒዘሞም ከም ዝርከቡ ኣገንዚቡ።