Wednesday, September 10, 2014

ብሃገር ደረጃ ንተምሃሮ ዩኒቨርስቲ በቲ ስርዓት ክወሃብ ዝቐነየ ሰሚናር ፍሽል ከም ዝነበረን በቶም ተምሃሮ ዝቐረቡ ሕቶታት እንተኾኑ’ውን ጉቡእ ምላሽ ከም ዘይተውሃቦም ተፈሊጡ።



  እቲ ኣብ መላእ ሃገርና ንተምሃሮ ዩኒቨርስቲ ብካድረታት ኢህወዴግ ከውሃብ ዝቐነየ ሰሚናር  ቀንዲ ዕላምኡ ነቶም ተምሃሮ ኣብ ኢድ እቲ ገዛኢ ዉድብ ኢህወዴግ ኣእትኻ ኣብ 2007 ዓ/ም ንዝካይድ ሙስሉይ መረፃ ደገፍቱ ንኽኾኑን ዝዓለመ ምንባሩ ዝገለፀ እቲ ሓበሬታ  እንተኾነ እቲ መጎስጎሲ ተባሂሉ ዝቐረበ ሓሳባት በቶም ተምሃሮ ተቓውሞ ስለ ዝገጠሞ ከይተዓወተ ከም ዝተረፈ ተገሊፁ።

   እቲ ንተምሃሮ ዩኒቨርስቲ ክወሃብ ዝቐነየ ሰሚናር ንሕሉፋት ስርዓታት ታሪኽ ዝወቅስ እኳ እንተነበረ ይኹን እምበር በቶም ተምሃሮ ዝቐረበ ሓሳባት ግን ሕሉፋት ስርዓታት ካብ ምዉቃስ ናታትኩም ፀረ ዲሞክራሲ ኣካይዳን ብሰላሕታ እትፍፅምዎም ዘለኹም ገበናትን ይብእሱ ክብሉ ኣንፃር ጉጅለ ኢህወዴግ ናይ ተቓውሞ ድምፅታት ክሰምዑ ከም ዝቐነዩ ካብ ዝተፈላለዩ ቦታታት ምንጭታትና ገሊፆም።

    እቲ ሓበሬታ ወሲኹ ኣብ ዓዲ ግራት፤ መቐለን ኣክሱምን ክመያየጡ ዝቐነዩ ተምሃሮ ዩኒቨርስቲ እንተኾኑ ‘ዉን ነቲ ብዛዕባ ህወሓት-ኢህወዴግ ሕሉፍ ታሪኽ እናተዓባበኻ ንመረፃ ዝግበር ዘሎ ጎስጓሳት ከም ዘይተቐበልዎን ምስ ካልኦት ተማሃሮ ብዝተፈላለየ መስርሕ እናተራኸቡ መዘራረቢ እጀንዳ  ገይሮሞ ከም ዘለዉን ምንጭታትና ካብ ዝለኣኽዎ ሓበሬታ ንምፍላጥ ተኻኢሉ።