Friday, September 12, 2014

ኣምሓደርቲ ከተማ ዳንሻን ከባቢኣን ኣብ ቤት ፅሕፈቶም ቀሪቦም ፍቓድ ከይሓተቱ ናብ ሕርሻ መሬቶም ንዝወፍሩ ሓረስቶት ሸፋቱ እናበሉ ይጨዉይዎም ምህላዎም ካብ’ቲ ቦታ ዝበፀሓና ሓበሬታ ኣመልኪቱ።



ኣብ ዞባ ምዕራብ ትግራይ ወረዳ ፀገዴ ከተማ ዳንሻን ከባብኣን ዝርከብ ብሕርሻ ዝመሓደሩ ወገናት ዝዘርእዎ ዝራእቲ እኽሊ ብቐረባ ኮይኖ ንምፅሃይን ንምሕላዉን ክኸዱ እንተኾኖም ካብ ኣመሓደርቲ ገዛኢ መደብ ህወሓት-ኢህወዴግ ፍቓድ ከይተወሃቦም ከይንቀሳቐሱ ካብዚ ወፃኢ ምስ ዝኸዱ ድማ ሸፋቱን ተሓባበርቲ ሸፋቱን ዝብል ሽም ተጠሚቖም ይጭወዩን ይእሰሩን ከም ዘለዉ ምንጭታትና ኣብ ዝለኣኹልና ሓበሬታ ገሊፁ።
 ሰላማዉያን እናሃለው ሸፋቱ ተባሂሎም ካብ ዝተጨወዩ ሓረስቶት ንገለ ነበርቲ ንምጥቃስ ዝኣክል፦ ኣስፋወሰን ክንፈ፤ ይርጋ ኣላመረዉን ካልኦትን ዝርከብዎም ብ28 ነሓሰ 2006 ዓ.ም ኣብ በረኻ ሕርሻ መሬቶም ፀኒሖም ናብ መንበሪ ገዝኦም እንትኣትዉ ከፃናትዉ ዝፀንሑ ካድረታትን ዕሱባት ምልሻን ሸፋቱ ኢኹም ብምባል ጨዉዮም ምስ ወሰድዎም ክሳብ ሕዚ ኣበይ ከም ዘእተዉዎም ሃለዋቶም ከም ዘይፍለጥ ኣረዲኡ።