ብመሰረት እቲ ዝበፀሓና ሓበሬታ ኣብ ዞባ ሰሜን
ምዕራብ ትግራይ ከተማ ሽረ-እንዳስላሰ ሓላፊ ሓይሊ መብራህቲ ኣይተ መኮነን ዝበሃለ በዓል ስልጣን ዘለዎ ስራሕ ሓላፍነት ተበሊፁ
ነቲ ቆፃሪ ስኢኑ ዝከላበት ዘሎ ነባሪ ህዝቢ እታ ከተማ ቆፃሪ
መፂኡ ኣሎ ቀዳምነት ክትረኽቡ ክገብር እየ እናበለ ብምትላል ዘይግብኦ ብላዕ ገንዘብ እናተቐበለ ኣብ ዉልቃዊ ረብሕኡ ከዉዕሎ
ከም ዝፀነሐ ተገሊፁ።
እቲ ሓበሬታ ወሲኹ ከም ዘረድኦ ህዝቢ ከተማ
ሽረ-እንዳስላሰ ቀፃሊ ብዘጋጥም ዘሎ ምቁርራፅ ኤሌክትርክ ፍታሕ ብምስኣኑ ዝሳቐዮ ዘሎ ከይኣክል ኣገልግሎት ደልዩ ናብ ቤት
ፅሕፈት ሓይሊ መብራህቲ እታ ከተማ ኣብ ዝኸደሉ ስራሕቱ ብእዋኑ ከሳልጥ እንተኾይኑ ካብቲ ታሕተዋይ ሰራሕተኛ ጀሚሩ ክሳብ እቲ
ሓላፊ ብላዕ ክኸፍል ልሙድ ኮይኑ ከም ዘሎ ድሕሪ ምግላፅ ብፍላይ ከዓ ሓላፊ እቲ ቤት ፅሕፈት ዝኾነ ኣይተ መኮነን ዘይትግበር
መብፅዓ ብምእታዉ ገንዘብ ክፈሉኒ እናበለ ካብ ብዙሓት ወገናት ማእለያ ዘይብሉ ገንዘብ ይቕበል ከም ዘሎ ድሕሪ ግዜ ብህዝቢ
ተነቒሕሉ ኣብ ልዕልኡ ጥርዓናት ምስ በዘሐ ንከምስሉ ንግዝኡ ኣብ ቁፅፅር ክዉዕል ገይሮም ከም ዘለው ኣገንዚቡ።