Sunday, September 14, 2014

ኣብ ከተማ ኣዲስ ኣበባ ነበርቲ ክፍለ ከተማ የካ ፍሉይ ቦታ ኣዋልያ ኣንፃር ገዛኢ ዉድብ ኢህወዴግ ናይ ተቓውሞ ሰለማዊ ሰልፊ ከካይዱ ኣብ ዝውፅሉ እዋን ብፌደራል ፖሊስን ኣግኣዚ ኮማንዶን ክብተኑ ከም ተገበረ ተገሊፁ።



   እቶም ነበርቲ በቲ ገዛኢ መደብ ዝወርዶም ዘሎ ግፍዕታትን ቆላሕታ ዝሰኣነ ማሕበራዊ ፀገማት ፍታሕ ንምርካብ ብ14 ነሐሰ 2006ዓ/ም ናይ ተቓውሞ ሰለማዊ ሰልፊ ንምክያድ ኣብ ዝወፅሉ በዚ ተቓውሞ ዝሰግኡ ሰበ ስልጣን እታ ከተማ ፌደራል ፖሊስን ኣግኣዚ ኮማንዶን ብምውፋር ነቶም ኣብ’ቲ ሰልፊ ንምስታፍ ዝወፁ ነበርቲ ብበትሪ እናቐጥቀጡን ኣስካሕካሒ ዝኾነ ግፍዕታት ብምፍፃምን ነቲ ሰልፈኛ ከም ዝበተንዎ ክፍለጥ ተኻኢሉ።
     
ከም ዝፍለጥ ኣብ ሕገ መንግስቲ ኢትዮጵያ ህዝቢ  ኣብ ልዕሊ መንግስቲ ክቃወምን ሰለማዊ ሰልፊ ከካይድ ይኽእል ዝብል ብንፁር ሰፊሩ’ኳ እንተሎ ይኹን እምበር ሰበ ስልጣን ጉጅለ ኢህወዴግ ነቲ ሕገ መንግስቲ ንዕኦም ብዝጥዕም እናተርጎሙ ካብ ወረቐት ዘይሓልፍ ትርጉም ዘየብሉ  ክኸውን ከም ዝኽኣለ ተፈሊጡ።