ብመሰረት
እቲ ሓበሬታ እዞም ኣብ መላእ ሃገርና ኢትዮጵያ ዝርከቡ ናይ ዩኒቨርሲቲ
ተማሃሮ ብዘይድልየቶም ብኣስገዳድ ሰበ ስልጣን ኢህወዴግ ኣብ ኣኼባ ተፀሚዶም ከም ዝቐነዩ ዝገለፀ እቲ ሓበሬታ ከም ውፅኢቱ ድማ በቶም ተማሃሮ
ዝቐረቡ ዘለዉ ሕቶታትን ሪኢቶታትን ስለ ዘይተመለሱ ወጥሪ ነጊሱ ምህላዉ ተፈሊጡ።
ብተማሃሮ
ዩኒቨርሲቲ ዝተልዓሉ ሕቶታት ብዙሓት’ኳ እንተኾኑ ካብ’ቶም ገለ ንምጥቃስ “መራሕቲ ሃይማኖት ብረት ሓቢእኹም ብዝብል ጉልባብ
ብኣባላት ፀጥታ ስለምንታይ ይቕጥቀጡ?
- ኣብ
1997 ዓ/ም ኣብ ዝተኸየደ መረፃ ንቅንጅት ዝመረፁ ሓረስቶት
መሬቶም መንጢልካ ንኣባላት ገዛኢ ዉድብ ምዕዳል ጌጋ እዩ
- ብሰበ ስልጣን ኢህወዴግ መሬት እናተቖረሰ ምሻጥ ንሉኣላውነት ሃገርና ዝግህስ ዓብዪ ጌጋ ‘ዩ፤
- ናይ ኣይተ ኣያሌው ጎበዜ ካብ ርእሰ ምምሕዳር ክልል ኣምሓራ ምውራድ
ምስ ናይ መተማ ዝተሓሓዝ እዩ ክብሉ ተማሃሮ ኣምሓራ ንዘቕረብዎም ሕቶ ኣብ ዉሽጦም ምድንጋፅ ፈጢሩ ጉቡእ ምላሽ ከይሃብሉ ሰለ
ዝሓለፉ ተማሃሮ ቅሬቶኦም ከም ዝገለፁ ኣረዲኡ።
ብተመሳሳሊ ኣብ ክልል ትግራይ ዝርከቡ ተማሃሮ ካብ ዘቕረብዎም ሕቶታትን
ሓሳባትን፦ “ህወሓት ብሽም ህዝቢ ይሽቕጥ ኣሎ፤ ህወሓት ንባዕሉ ብጥቕሚ እናተገማመዐ መፂኡ ህላዊኡ ንትግራይ እንታይ’ዩ፤ ውድብ
ዓረና ምፍጣሩ ህወሓት ንህዝቢ ትግራይ ዘይረብሕ ምዃኑ ሓደ ዓቢ
መረዳእታ’ዩ፤ መምህር ኣብረሃ ደስታ ዝፈፀሞ ገበን ዘይብሉ
ተቓዋሚ ብምዃኑ ጥራሕ ምእሳሩ ኣግባብነት የብሉን ከምኡ፣ዉን ኣብ ክልል ትግራይ ዘሎ ሽፋን ትምህርቲ ትሑት እዩ ዝብሉን ካልኦትን ንዝተለዓሉ ሕቶታት ግቡእ መልሲ ከም ዘይተዋህቦም ምንጭታትና
ዝለኣኽዎ ሓበሬታ ኣመልኪቱ።