ብመሰረት ሓበሬታ ምንጭታትና እዞም ኣብ ዞባታት መተከልን
ኣሶሳን ተዋፊሮም ዝርከቡ ሰብ ሃፍቲ ኢንቨስተራት ውልቃዊ
ስራሕቶም ገዲፎም ብዕጡቛት እናተገደዱ ናይ ብርክት ዝበሉ ምልሻን
ካድረታን ገዛኢ ዉድብ ናይ ሕርሻ መሬት ብነፃ ብትራክተር ይሓርሱ ምህላዎም ድሕሪ ምግላፅ ገለ ኢንቨስተራት ንሕና ውልቃዊ
ስራሕትና ሓዲግና ኣብ ኣስገዳድ ስራሕ ተዋፊርና ትርፊ ክንረክብ ኣይንኽእልን ብምባል ነቲ ነፃ ስራሕ ዝተቓወሙ ኢንቨስተራት
ንብረቶም ብዕጡቛት ይዝመት ምህላዉ ንምፋልጥ ተካኢሉ።
እቲ ሓበሬታ ኣስዒቡ ኣመሓደርቲ ክልል ቤንሻንጉል ነቶም ኣብቲ ከባቢ ዝተዋፈሩ ኢንቨስተራት ኣኪቦም ኣብ’ዚ
ከባቢ ዝርከቡ ናይ መንግስቲ ዕጡቛት ናታትኩም ንብረትን ናይ ሕርሻ መሬትን ክሕልዉ ዝተዋፈሩ ስለ ዝኾኑ ናይ ሕርሻ መሬቶም
ክትሓርስሎም ይግባእ ብምባል ናይ’ቲ ክልል ሓላፊ ፀጥታ ብዝተረኸበሉ
ከታልልዎም ኣብ ዝፈተንሉ እቶም ኢንቨስተራት ግን ኣየድልዩናን ንሕና ባዕልና ንብረትና ክንሕሉ ኢና ዋላ’ኳ እንተበሉ መምርሒ
ስለ ዝኾነ ክትሓርስሎም ኣለኩም ተባሂሎም ከም ዝተገደዱ ኣረዲኡ።