Tuesday, September 9, 2014

ብደርጃ ሃገር ንተማሃሮ ዩኒቨርሲቲ ሃገርና ብኣስገዳድ መራሕቲ ኢህወዴግ ኣብ ዝካየድ ዘሎ ኣኼባ እቶም ተማሃሮ ብምቅዋም ነቲ ኣኼባ ረጊፆሞ ይወፁ ምህላዎም ምንጭታትና ከብ ዝተፈላለየ ከባቢታት ሓቢሮም።



እዚ ናይ ኣስገዳድ ኣኼባ ብካድረታት ኢህወዴግ  ይምራሕ ምህላዉ ዝገለፁ ምንጭታትና ብፍላይ ተማሃሮ ዩኒቨርሲቲ ጎንደር በቶም ካድረታት  ተደጋጊሞም ዝተዘረበሎም ናይ ኢህወዴግ ህንፀት ዲሞክራሲ ዝብል  እቶም ተማሃሮ ሕቶታት ዋላ’ኳ እንተልዓሉ በቶም መራሕቲ መድረኽ ግቡእ ምላሽ ብዘይ ምርካቦም ልዕሊ 40 ዝኣኽሉ ተማሃሮ  ነቲ ኣኼባ ረጊፆም ከም ዝወፁ  ተፈሊጡ።

    ብተማሃሮ ዩኒቨርስቲ ጎንደር ካብ ዝተልዓሉ  ሕቶታት ብዛዕባ ኣብ መተማ ፍሉይ ሽሙ ግጨው ዝርከብ መሬት ዝምልከት፤ ኣብ  ዛሬማን ኣብ ዙርያ ራስ ዳሽን ዝርከብ መሬትን  ስለምንታይ ናብ ትግራይ ተኸሊሉ? ኣብ ክልል ኦሮሚያ ናይ ምኒሊክ ሓወልቲ ምህናፅ ንምንታይ ኣድልዩ? ከምእ’ዉን ብሄረሰብ  ቅማንት ብዞባ ክፅዋዕ ኣለዎ ዝብሉን ካልኦትን  ከም ዝኾኑ እቲ ሓበሬታ ገሊፁ።

 ብተመሳሳሊ። ኣብ ዩኒቨርሲቲ ኣዲስ ኣበባ ዝርከቡ ተማሃሮ ብወገኖም ናይ ኢህወዴግ ህንፀት መሰረት ልምዓት ትሑት እዩ ክብሉ ብምዝራቦም ሰበ ስልጣን እቲ ዉድብ ስለ ዝሰግኡ ነቶም ተማሃሮ ንምጉስጓስ  ተባሂሉ ኩለን ናይ ህዝቢ መጓዓዝያ ከተማ ኣዲስ ኣበባ ንዑደት እቶም ተማሃሮ ሒዘን ስለ ዝተዋፈራ ኣብቲ እዋን ነባሪ ህዝቢ ብሕፅረት ትራንስፖርት ተሸጊሩ ከም ዝወዓለ ተፈሊጡ።

    እዚ ከምዚ ኢሉ እንከሎ እቲ ዉድብ ን2007 ዓ/ም  ንዘካይዶ መረፃ  ደገፍ ንኽረክብ ነቶም ተማሃሮ ከእምን ዝገበሮ ዑደት ክሳኻዓሉ ከም ዘይከኣለ ድሕሪ ምግላፅ እቶም ተማሃሮ ነቲ ብዑደት ዝረኣይዎ ዝፈልጥዎን ፅርጊያን ኮንደሚኒየም መበሪ ኣባይትን ሓዱሽ ከም ዘይኮኖም ብጉጅለን ብውልቅን ይዛረብሉ ከምዘለው ንምፍላጥ ተኻኢሉ።