Friday, October 24, 2014

ብካድረታት ገዛኢ ጉጅለ ኢህወዴግ ኣብ መላእ ሃገርና ዝካየድ ዘሎ ተኸታታሊ ኣኼባ ተቓውሞ ይገጥሞ ምህላዉ ተገሊፁ፣




    ብመሰረት ሓበሬታ ምንጭታትና ኣብ መላእ ሃገርና ኢትዮጵያ ንዝርከቡ ሰራሕተኛታት መንግስቲ  ካብ 19 ክሳብ 30 መስከረም  2007 ዓ/ም 1ይ ዙርን  ካብ 3  ክሳብ 14 ጥቅምቲ ድማ ብ2ይ ዙርን ዝተሰነዩ  ኣኼባታት ይካየደሎም ምህላዉ ዝገለፀ እቲ ሓበሬታ ኣጀንዳ እቲ ኣኼባ ድማ መስመር ተሃድሶ ኢህወዴግን ጉዕዞ ህዳሰን  ብምባል ዘቕረብዎ  ሓሳብ  በቶም ሰራሕተኛታት ተቓውሞ ይገጥሞ ምህላዉም ተፈሊጡ፣

    ብፍላይ ኣብ ከተማ ኣዲስ ኣበባ ብምክትል ከንቲባን  ኣማኻሪ ፖለቲካን ተወለደ  እናተመረሐ ብፕላዝማ  ዝተደገፈ ኣኼባ  ኣብ ዝተኻየደሉ  እቶም ተኣከብቲ ነቲ  ፀረ ዴሞክራሲ ዝኾነ ኣካይዳ  እቲ ገዛኢ ጉጅለ ዘማላኽቱ ብርክት ዝበሉ ሕቶታት ከም ዘልዓሉ ተገሊፁ፣

    ካብ’ቶም ዝተልዓሉ ሕቶታት ገለ ንምጥቃስ ድማ ኢህወዴግ ድኽመት ሕሉፋት ስርዓታት ጥራሕ ምኹናን  ዘይኮነስ፤ ዕደመ ስልጣኑ ንምንዋሕ  ክብል ኣብ መንጎ ብሄር ብሄረ ሰባት ክፈጥሮ ዝፀንሐ ተግባር ድኽመቱ ዘየልዕል?፤ ጉድለት ናይቲ ገዛኢ ጉጅለ  ዝተዛረቡ ተቓወምቲ ስለ ምንታይ ፀረ ልምዓት እናተብሃሉ ይእሰሩ?፤ ኣብ ሃይማኖትን ኣብ ብሄራትን ንዝለዓሉ ሽግራት ንምንታይ ናብ ተቓወምቲ ውድባት ይላገብ?፤ ሓደ ፓርቲ ንነዊሕ ዓመታት ኣብ ስልጣን ምፅንሑ ንሃገርና ዘምፀኣላ ዕቤት የለን፤ ኢህወዴግ ኣብ ዴሞክራሲ ስለ ዘይኣምን ኣመራርሓ ተቓወምቲ ውድባት ይኣስር ኣሎ ዝብሉን ካልኦትን ሕቶታት  ምስ ተላዕሉ በቶም መድረኽ ዝመርሑ ዝነበሩ ምኽትል ከንቲባ ኣዲስ ኣበባን ኣማኻሪ ፖለቲካ ተወልደን ግቡእ ምላሽ ከይተወሃበሎም ከም ዝተሓለፉ ተፈሊጡ፣