Friday, October 24, 2014

ኣብ ወረዳ ቃፍታ ሑመራ ጣብያ ዓዲ ገሹ ዝርከቡ ካድረታት ህወሓት ኢህወዴግ ሓረስቶት ዝዘርእዎ ሰሊጥ መንዚዖም ፀረ ሽፍታ ኢሎም ብዘዋፈርዎም ሓይሊ ንውልቆም ከም ዘዕፀድዎ ተፈሊጡ፣





    ብመሰረት ሓበሬታ ምንጭታትና ኣብ ዓዲ ገሹ  ትሕቲ ፅርግያ ዝርከብ ሰፊሕ መሬት ኣመሓደርቲ እቲ ዞባን ወረዳን ደኒ እዩ ኢሎም ምስ ከልከልዎም፤ ሓረስቶት እቲ ከባቢ ብወገኖም ተለዋጢ መሬት ክወሃቦም ሓቲቶም ግቡእ መልሲ ምስ ሰኣኑ፤ ሰሊጥ ዘሪኦም ምስበቖለ ኣመሓደርቲ ዞባን ወረዳን ግን ነቲ ሰሊጥ ንምጥፋእ ፀረ ፃህያይ ነፂገምሉ ክጠፍእ ስለ ዘይከኣለ፤ ኣብ ግዜ ዓፂድ ድማ እቶም ኣመሓደርቲ ፀረ ሽፍታ ዝብልዎም ሓይልታት ኣዋፊሮም ብምዕፃድ ኣብ ውልቃዊ ረብሓኦም ከም ዘውዐልዎ ተገሊፁ።
    
     ብተግባር ናይቶም ኣመሓደርቲ ዝተቖጥዐ ህዝቢ ድማ ኣብ ልዕልኦም ሓያል ተቓዉሞን ዕግርግርን  ኣበጊሱ ከም ዘሎ እቲ ሓበሬታ ኣብ መወዳእታ የረድእ፣