Tuesday, December 23, 2014

ኣብ ዓዲ ነብሪ-ኢድ ዝርከቡ ካድረታት ህወሓት ምስ ዴምህት ርክብ ኣለኩም እናበሉ ሰባት ኣሲሮም የሳቕዩ ምህላዎም ምንጭታትና ካብታ ከተማ ሓቢሮም።




    ኣብ ዞባ ሰሜን ምዕራብ ትግራይ ወረዳ ላዕላይ ኣድያቦ ከተማ ዓዲ ነብሪ-ኢድ ዝርከቡ ኣባላት ድህንነትን ካድረታትን ህወሓት ምስ ፖሊስ ብምትሕብባር ኣብ ዉልቃዉን መንግስታዉን ስራሕ ተዋፊሮም መነባብርኦም ንዝመርሑ ኣባላት ህወሓት ዘይኮኑ ዜጋታት ዕጥቃዊ ቃልሲ ንዘካይድ ዉድብ ዴምህት ስለ ትድግፉን ትተሓባበሩን ኢኹም ኣብ እነካይዶ ኣኼባታት ዘይትሳተፉ ዘለኹም ብምባል ብርክት ዝበሉ ሰባት ብፍሉይ ኣሲሮም ኣብ ምስቓይ ከም ዝርከቡ ምንጭታትና ካብ’ቲ ከባቢ ገሊፆም።
    ኣስዒቡ እቲ ሓበሬታ ከም ዘረድኦ ካድረታትን ድህንነትን ህወሓት ከም መቐፅልታ እቲ ፀረ ህዝቢ ተግባሮም ኣብታ ከተማ ሰራሕተኛ ማ.ረ.ት. ኮይኑ ክሰርሕ ንዝፀንሐ ኣርኣያ ሓጎስ ዝተበሃለ ንፁህ ወገን ኣባል ዴምህት ኢኻ ብምባል ብ5 ታሕሳስ 2007 ዓ.ም ፖሊስ ኣዋፊሮም ብምእሳር ከቢድ መግረፍቲ ስለ ዘዉረድሉ ኣብ ቅድሚ ህዝቢ ቀሪቡ ዴምህት እየ ክብል ከም ዝተገደደን ክሳብ ሕዚ ብፍሉይ ተኣሲሩ ብሕሱም ይቕጥቀጥን ይሳቐን ከም ዘሎ ንምፍላጥ ተኻኢሉ።