Tuesday, December 23, 2014

ኣብ ክልል ትግራይ ዝርከቡ ኣካላት ፍትሒ ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ዘብፅሕዎ ዘለው በደላት እናኸፍአ ይኸይድ ከም ዘሎ ተገሊፁ።



ኣብ ዝተፈላለዩ ከባቢታት ትግራይ ዝርከቡ ምንጭታትና ከም ዝገለፅዎ ኣካላት ፍትሒ ዝኾኑ ካድረታት ህወሓት፤ጉቦን ካልኦት ዝተፈላለዩ ጥቕምታትን ንምርካብ ክብሉ ንሰብ ጉዳይ ንኣዋርሕ ዝኣክል ብቖፀራታት እናፋነው ንቀሊል ነገር ክሳብ 7 8ወርሒ እናጓተቱ ስርሑ ገዲፉ ኣብ ቤት ፍርዲ ንክውዕል ይገብሩ ምህላዎም ተገሊፁ።
   እቲ ሓበሬታ ወሲኹ እዞም ሓላፍነት ህዝቢ ዘይስምዖም ኣካላት ፍትሒ ናብ ቤት ፅሕፈቶም ፍትሒ ደልዩ ንዝመላለስ ህዝቢ ምኽንያታዊ ብዘይኮነ ቆፀራ እናበሉ መነባብሩኡ ንከይመርሕ ከቢድ ፅዕንቶ ፈጢሮሙሉ ከም ዘለው ድሕሪ ምግላፅ እቲ ገንዘብ ዝረኸበ ካብዚ ፀገም እዚ ንምድሓን ክብል እንተይፈተወ ዘይተኣደነ ጉቦ እንትኸፍል እቲ ዘይረኸበ ድማ ናብ ቤት ፍርዲ ክመላለስ ግዜኡ ብከንቱ የሕልፎ ከም ዘሎ ተገሊፁ።