Wednesday, January 28, 2015

ኣብ ከተማ ሑመራ ዝርከባ 11 ባንክታት ኔት ዎርክ ብምቁራፁ ልሙድ ስርሐን ጠጠዉ ኣቢለን ከም ዝርከባ ምንጭታትና ካብ’ታ ከተማ ሓቢሮም።




   ኣብ ዞባ ምዕራብ ትግራይ ከተማ ሑመራ ዝርከባ 11 ዝተፈላለያ ባንክታት ካብ 4 ጥሪ 2007 ዓ.ም ጀሚረን ልሙድ ስርሐን ከሳልጣ ስለ ዘይከኣላ ተገልጋሊ ህዝቢ መረረቱ የስምዕ ምህላዉ ዝገለፀ እቲ ሓበሬታ እቲ ምኽንያት ከኣ ኣብ ስልጣን ዘሎ ስርዓት ኣብ’ቲ ከባቢ ባዕሉ ፈጢርዎ ብዘሎ ዘይምርግጋእ ቀፃሊ ኣኼባ ኣብ ምክያድ ስለ ዝርከብ ምስ’ዚ ተኣሳሲሩ ኣብ’ታ ከተማ ኔትዎርክ ክቋረፅ ስለ ዝተገብረ እተን ባንክታት ዕለታዊ ስራሕተን ምስ ኔት-ዎርክ ዝተኣሳሰረ ብምዃኑ ኩሉ ስራሕተን ዓፅየን ምህላወን ንምፍላጥ ተኻኢሉ።
  ብተመሳሳሊ ኣብ ዝሓለፈ ዜናና ኣብ ዞባ ምዕራብን ከባቢኣን ኣገልግሎት ስልኪ ስለ ዝተዓፀወ ነባሪ ህዝቢ እቲ ከባቢ ኢኮኖሚያዉን ማሕበራዉን ንጥፈታቱ ንምስላጥ ተፀጊሙ ከም ዘሎ ገሊፅና ምንባርና ይፍለጥ።