Wednesday, January 28, 2015

ኣባላት ምልኻል ሰራዊትን ፖሊስን ፀግዒ ገዛኢ ዉድብ ኢህወዴግ ብምዃን ሲቪል ክዳን ተኸዲኖም ናይ መረፃ ካርድ ኣብ ምዉሳድ ከም ዝርከቡ ተሓቢሩ።



ምንጭታትና ዝለኣኽዎ ሓበሬታ ከም ዘመላኽቶ ኣብ ከባቢ ከተማታት መቐለን ዓዲ-ግራትን ኣብ ዘለዉ ወተሃደራዊ ካምቦታት ዝርከቡ ኣባላት ሰራዊት ምክልኻል  በቲ ህዝቢ ምእንታን ከይፍለጡ ብ7 ጥሪ 2007 ዓ.ም ናይ ሲቪል ክዳን እናተኸደኑ ኣብ መምረፂ ጣብያታት ናይ መረፃ ካርድ ክወስዱ ከም ዝወዓሉ ድሕሪ ምግላፅ ኣብ’ተን ከተማታት ዝርከቡ ኣባላት ፖሊስ እንተኾኑ ‘ዉን ብተመሳሳሊ ሜላ መምረፂ ካርድ ክወስዱ  ከም ዝተገበረ ንምፍላጥ ተኻኢሉ።
   ኣስዒቡ እቲ ሓበሬታ ከም ዘረድኦ ኣብ ሕገ መንግስቲ እቲ ስርዓት ዝኾነ ወተሃደር ይኹን ፖሊስ ካብ ዝኾነ ፖለቲካዊ ዉድብ ፀግዒ ምዃን ነፃ ኮይኑ ንኹሎም ተወዳደርቲ ዉድባት ማእኸል ገይሩ ብዘይወገናዉነት ፀጥታ ከኽብር  ተቐሚጡ እኳ እንተሎ ኣመሓደርቲ ገዛኢ ጉጅለ ግን ነዚ ጥሒሶም ወተሃደራትን ፖሊስን ፀግዒ ገዛኢ ዉድብ ኢህወዴግ ኮይኖም ክመርፁ ይምዝገቡ ከምዘለው ተፈሊጡ።