Wednesday, January 28, 2015

ነበርቲ ከተማ ነቀመቴ ንጉዕዙይ ምሕደራ ስርዓት ኢህወዴግ ብምቅዋም ኣብዚ ቅንያት ናይ ተቓውሞ ሰለማዊ ሰልፊ ኣካይዶም።




    ኣብ ክልል ኦሮሚያ ነበርቲ ከተማ ነቀምቴ ንጉዕዙይ ምሕደራ ገዛኢ ስርዓት ብምቅዋም ብ6 ጥሪ 2007 ዓ/ም ናይ ተቓውሞ ሰለማዊ ሰልፊ ምክያዶም ዝገለፀ  እቲ ሓበሬታ  በዚ  ህዝባዊ ናዕቢ ዝሰግኡ ኣማሓደርቲ እታ ከተማ ፌደራል ፖሊስን መደበኛ ፖሊስን ብምውፋር ነቲ ህዝቢ ብምቕጥቃጥ ከም ዝበትንዎ ክፍለጥ ተኻኢሉ።
   እቲ ሓበሬታ ኣስዒቡ እዞም ነበርቲ ነቲ ብሰንኪ ስእነት ፍትሒ  ክወርዶም ዝፀንሐ ፀገም ፍታሕ ንኽግበረሎም ቅድሚ ወርሒ ጀሚሮም ብተደጋጋሚ ሰለማዊ ሰልፊ እናወፁ ክጠርዑ ምፅንሖም  ድሕሪ ምግላፅ  እንተኾነ  እቶም ኣማሓደርቲ ክፈቕዱሎም ሰለ ዘይከኣሉ ዝመፀ ይምፃእ ብምባል ናይ ተቓውሞ ሰለማዊ ሰልፊ ከም ዘካየዱን ብዶክተር መራራ ጉዲና ዝምራሕ ውድብ ኣብ’ቲ ሰልፊ ተፀምቢሩ ምንባሩን ተፈሊጡ።