ብመሰረት ሓበሬታ ምንጭታትና ኣብ ዞባ ማእኸል ትግራይ ከንቲባ ከተማ
ኣኽሱም ኣበራ ሃይለማርያም ቅድሚ ሕዚ ኣስታት 4ተ ሚልዮን ብር ዝግመት ሃፍቲ ህዝብን ሃገርን በሊዕኻ ተባሂሉ
ተኣሲሩ ከም ዝፀንሐን ብ28 ታሕሳስ 2007 ዓ/ም ናብ ቤት ፍርዲ ኣብ ዝቐረበሉ ድማ 13 ሚልዮን ብር ኣጠፋፊእኻ ተባሂሉ
ብነባሪ ህዝቢ ከም ዝተኸሰሰ ተፈሊጡ።
ብተወሳኺ
እቲ ከንቲንባ በቲ ዝተገለፀ ዕለት ብ10 ሽሕ ብር ጥራይ ብዋሕስ ክወፅእ ምስ ተገበረ ህዝቢ ከተማ ኣኽሱም ድማ እዚ ገንዘብ
በይኑ ኣይኮነን በሊዕዎ ኢድ ኣባይ ወልዱ ስለ ዘለዎ ንኸይሕተት ደጋፊኡ ኮይኑ ክእሰር የብሉን እናበለ ክጣበቐሉ ፀኒሑ እዩ፣
ስለዚ እቲ ሕዚ ተገይሩ ዘሎ ብግዕዝይና ዝተኸሰሰ ሰብ ከይተፃረይ ብዋሓስ ምዉፃእ ምስኡ ዝተኣሳሰረ እዩ ክልትኦም ብሓደ ክሕተቱ
ኣለዎም ብምባል እቲ ሕብረተሰብ ጥርዓኑ የቕርብ ከም ዘሎ ኣረዲኡ።
እዚ
ከምዚ ኢሉ እንከሎ ኣብ ስልጣን ዝርከብ ውልቀ መላኺ ስርዓት ኢህወዴግ ኣብ ቅድሚ ማሕበረሰብ ዓለም ፀረ-ግዕዝይና ዝቃለስ
ንኽመስል ንስልጣነይ የስግኡኒ እዮም ዝበሎም ገለ ገለ ላዕለዎት ሓለፍቲ ብግዕዝይና ተጠርጢሮም እናበለ ኣብ ቤት ማእሰርቲ
ብምድጓን ናይ ዋሕስ መሰሎም ምኽልካሉን ንከንቲባ ከተማ ኣኽሱም ልዕሊ 13 ሚሊዮን ብር ኣጠፋፊኡ ከብቅዕ ብዋሕስ ክልቀቕ
ምግባሩ ኣብ ሃገርና ጠርሹ ልዕልነት ሕጊ ዘየለ ምዃኑ ዘረጋግፅ እዩ ክብል ነበሪ ህዝቢ ከተማ ኣኽሱም መዘራረቢ ዛዕብኡ ኮይኑ
ከምዘሎ ሓበሬታ ምንጭታትና የመልክት።