Saturday, January 24, 2015

ኣብ ዩኒቨርስቲ መቐለ ኣስታት 36 ሚልዮን ብር ብሓለፍቲ ናይቲ ትካል ከም ዝተበልዐ ምንጭታትና ገሊፆም።



ኣብ ከተማ መቐለ ካብ ዝርከቡ ምንጭታትና ዝበፀሐና ሓበሬታ ከም ዘመላኽቶ ብ23 ታሕሳስ 2007 ዓ/ም ኣጠቓቕማ ሕሉፍ 10 ዓመት ባጀት ዩኒቨርስቲ መቐለ  ኦዲት ይገበር ምስ ተብሃለ 36 ሚልዮን ብር በቶም ላዕለዎት ሓለፍቲ ከምዝተጠፋፍአ ተረጋጊፁ።
     ቅድም ክብል እቶም ናይቲ ዩኒቨርስቲ ሓለፍቲ በላይነሽ ተስፋይ ብዝሰረሐቶ ናይ ሓሶት ሰነድ ከወራርድዎ ከም ዝፀንሑ ሕዚ ብሕጋዊ ናይ መንግስቲ ሰነድ ኣብ ዝወራረደሉ ግዜ 36 ሚልዮን ብር ጠፊኡ ስለ ዝተረኸበ ንበላይነሽ ተስፋይ ድማ ናይ ሓሶት ሰነድ ሰሪሕኺ ብምድላው ገንዘብ ክጠፋፋእ ገይርኪ ብምባል ከም ዝተኣሰረት እቶም ገንዘብ ዝበልዑ ሓለፍቲ ናይቲ ዩኒቨርስቲ ግን ክሳብ ሕዚ ከም ዘይተሓተቱ እቲ ሓበሬታ ወሲኹ የረድእ።
     እቲ ሓበሬታ ኣብ መወዳእታ እዚ ከምዚ ዓይነት ግዕዝይና ኣብ  ዩኒቨርስቲ መቐለ ጥራይ ዘይኮነስ ቅድም ክብል‘ውን ኣብ ኣክሱምን ዓዲግራትን ዘለዋ ዩኒቨርስቲታት ተመሳሳሊ ናይ ባጀት ምጥፍፋእ እናጋጠመ ተማሃሮ ንከቢድ ማሕበራዊ ፀገማት ተቓሊዖም ሰለማዊ ሰልፊ ክገብሩ ከም ዝፀንሑ ይዝከር።