Saturday, January 24, 2015

ኣብ ከተማ ዓዲግራት ዝርከቡ ካድረታት ህወሓት ኢህወዴግ ንሰራሕተኛታት መንግስቲ ናይ መረፃ ካርዲ ውሰዱ እናበሉ የገድድዎም ከም ዘለዉ ካብታ ከተማ ዝበፀሐና ሓበሬታ ኣመልኪቱ።



ኣብ’ታ ከተማ ዝርከቡ ምንጭታትና ከም ዝሓበርዎ ብ1 ጥሪ 2007 ዓ/ም ኣብ ከተማ ዓዲ-ግራት ዝርከቡ ካድረታት ናይቲ ስርዓት ዝኾኑ ዕሱባት ንሰራሕተኛታት መንግስቲ ናይ መረፃ ካርዲ ኣውፅኡ፥ ቤት ፅሕፈትኩም ዓፂኹም ናብ ናይ ድጋፍ ሰለማዊ ሰልፊ ውፁ ብምባል ብሓይሊ ኣገዲዶም ከም ዘውፅእዎም ተፈሊጡ።
    ብተመሳሳሊ ነቲ ካብ መረፃ ኢህወዴግ ተስፋ ዝሰኣነ ህዝቢ ናይ መረፃ ካርዲ ንኽወስድ ክሳብ ገዝኡ እናኸዱ የገድድዎ ከም ዘለዉን እንተዘይወሲዱ ግን ዝኾነ ሕጋዊ መሰሉ ከም ዝግፈፍ ብምሕባር የፈራርሕዎ ከም ዘለው ተሓቢሩ።
    ምስ መረፃ ተኣሳሲሩ ክልዓል ንዝኽእል ኣንፃር ኣብ ስልጣን ዝርከብ ኣምባገነን ስርዓት ተቓውሞ ከይለዓል ዝሰግኡ ካድረታት ደቂ ኣንስትዮ ከይተረፋ ለይቲ ዋርድያ እናዘራ ንክሓድራ የገድድወን ከም ዘለው ተፈሊጡ።