ብመሰረት ሓበሬታ ምንጭታትና ኣብ ዞባ ምዕራብ ትግራይ ወረዳታት
ፀገዴን ወልቃይትን ካድረታት ህወሓት ኢህወደግ ንምልሻታት ኣብ ዘካየድዎ ኣኼባ ኣብ መንጎ እቶም ተኣከብቲ ምልሻታት ብዝተፈጥረ
ምስሕሓብ ሓደ ተፈራ ኣስመላሽ ዝተብሃለ ምልሻ ተዘራ ኣድማሱ ንዝተብሃለ ምልሻ ተኲሱ ከም ዝቐተሎ ተገሊፁ።
ወሲኹ እቲ ሓበሬታ እዚ ከምዚ ኢሉ እንከሎ ዓርኪ ተዘራ ኣድማሱ ድማ ንቀታሊ ተፈራ ኣስመላሽ ከም ዝቐተሎ ድሕሪ ምግላፅ
እዚ ከምዚ ዓይነት ሕነ ናይ ምፍዳይ ስጉምቲ ኣብ መንጎ ምልሻታት እቲ ስርዓት ልሙድ ተርእዮ ከም ዝኾነን ዉፅኢቱ ብልሹዉ
ኣሰራርሓ እቲ ስርዓት ዝፈጠሮ ኣብ ዉሽጢ ምልሻ ሓድነት ዘይምህላዉን እምነት ምስኣንን ከም ዝኾነ ንምፍላጥ ተኻኢሉ።