እቲ ኣብ መንጎ
ህዝብታት ክልቲኡ ክልላት ተፈጢሩ ዘሎ
ግጭት ንይመሰል ብኣማሓዳሪ ክልል ኦሮሚያ መንጎኛ
ንኽፍታሕ ብምባል ብ2ተን 3ተን ጥሪ 2007 ዓ/ም
ሽምግልና ተገይሩ ምንባሩ ዝገለፀ እቲ ሓበሬታ ናብቲ ቦታ ብምኻድ ኣብቲ ዕርቂ ዝተረኸቡ ካብ ክልል ሓደ
ኣማሓዳሪ ትግራይ ኣባይ ወልዱ፤ ኮሚሽነር ዘኣማኒኤል ለገሰ /ወዲ ሻምበል/፤ ሓዱሽ ዘነበ ሓላፊ ፀጥታ እንትኾኑ፥ ካብ ክልል ሰለሰተ ድማ ናይ’ታ ክልል ኣማሓዳሪ፤
ፀጥታ ሓላፍን ፤ኮሚሽነርን ከም ዝኾኑ ተፈሊጡ።
እቲ
ተገይሩ ዝተብሃለ ዕርቂ ንላዕለዎት ኣማሓደርቲ እንተዘይ ኮይኑ
ህዝቢ ማእኸል ዝገበረ ብዘይምኳኑ ኣወንታዊ ውፅኢት ከም ዘይህሉ ዝገለፀ እቲ ሓበሬታ ከም ውፅኢቱ ድማ ኣማሓደርቲ
ክልል ሰለሰተ ናብ’ቲ ዘሰሓሕብ ቦታ ንምኻድ ሓያል ስግኣት ዘለ ዝሓደሮም ካብ ከተማ ጎንደር ብቡዙሓት ዕጡቛት ተዓጂቦም ምኻዶም ኣብ ህዝቢ እቲ ከባቢ ዘለዎም
ተቐባልነት ትሑት ምኳኑ ዘመላኽት እዩ ክብሉ ነቲ ጉዳይ ቅርበት ዘለዎም ተዓዘብቲ ኣብ ምግላፅ ከምዝርከቡ እቲ ሓበሬታ ወሲኹ ኣመልኪቱ።