Monday, January 26, 2015

ብ2ተ ጥሪ 2007 ዓ/ም ኣብ ከተማ ኣዲስ ኣበባ ንግዝያዊ መመዝገቢ ካርዲ መረፃ ተባሂሉ ተተኺሉ ዝነበረ ቴንዳ ብለይቲ ተቓፂሉ ከም ዝሓደረ ካብታ ከተማ ዝበፀሐና ሓበሬታ ኣመልኪቱ።



ብመሰረት ሓበሬታ ምንጭታትና ኣብ ከተማ ኣዲስ ኣበባ ክፍለ ከተማ ኣራዳ ቀበሌ 16 ብጉጅለ ኢህወደግ ንግዝያዊ መመዝገቢ መረፃ ተባሂሉ ተተኺሉ ዝነበረ ቴንዳ ብዘይተፈለጠ መንገዲ ለይቲ ብሓዊ ተቓፂሉ ከም ዝሓደረ ንምፍላጥ ተኻኢሉ።
    ኣብ’ቲ ናይ መመዝገቢ ጣብያ ዘጋጠመ ናይ ምቅፃል ስጉምቲ ኣካላት ፀጥታ ናይ’ቲ ስርዓት ኣብ ናይ ምፅራይ ስራሕቲ ተዋፊሮም ዋላ’ኳ እንተሃለዉ ብመን ከም ዝተፈፀመ ዝተፈለጠ ነገር ከም ዘየለ ዝገለፀ እቲ ሓበሬታ እንተኾነ ግን ነባሪ ህዝቢ ናይ ምስሉይ መረፃ ካርዲ ኣይንወስድን ብምባል ይቃወሞ ስለ ዘሎ  ብህዝባዉያን ዝተወስደ ስጉምቲ ከይኮነ ከም ዘይተርፍ ብዙሓት ወገናት ይዛረብሉ ምህላዎም ተፈሊጡ።