Monday, January 26, 2015

ኣብ ክልል ኣምሓራ ብስራሕ ዝንቀሳቐሱ ተወለድቲ ትግራይ ዝኾኑ መራሕቲ መካይን መንነቶም ብዘይተፈለጡ ሰባት ይቕተሉ ምህላዎም ምንጭታትና ካብቲ ከባቢ ዝለኣኽዎ ሓበሬታ ኣመልኪቱ።



ብመሰረት ሓበሬታ ምንጭታትና ኣብ ወረዳ ታሕታይ ኣርማጭሆ ፍሉይ  ቦታ ኣብርሃ ጅራ ኣብ ዝተብሃለ ከተማ ብስራሕ ዝንቀሳቐሱ ተወለድቲ ትግራይ ዝኾኑ መራሕቲ መካይን ይቕተሉ ምህላዎም ድሕሪ ምግላፅ ካብ’ቶም ዝተቐትሉ ሓደ ኣይተ ኤፍሬም ለገሰ ዝተብሃለ መራሒ መኪና ካብ ማይ ካድራ ናብ’ታ ከተማ ብስራሕ  ምስ ከደ ብ29 ታሕሳስ 2007 ዓ/ም ከም ዝተቐትለ ተፈሊጡ።
  እቲ ሓበሬታ ኣስዒቡ ቅድም ክብል ኣብ መንጎ  ነበርቲ ክልል ሰለስተን ሓደን ተፈጢሩ ዘሎ ግጭት ምኽንያት ብምግባር ነቲ ኩነታት ንምግዳድ ኣባላት ፖሊስ ፈፂመሞ ክኾኑ ይኽእሉ እዮም ብምባል ኣብ’ቲ ሕብረተ ሰብ ብሰፊሑ  ይዝረበሉ ከም ዘሎ ተገሊፁ።