Monday, January 26, 2015

ኣብ ዞባ ምዕራብ ትግራይን ከባቢኣን ተፈጢሩ ብዘሎ ግጭት ኣገልግሎት ስልኪ ብምቁራፁ ነባሪ ህዝቢ ዕለታዊ ንጥፈታቱ ንኸየሳልጥ ዕንቅፋት ኮይንዎ ከምዘሎ ተሓቢሩ።



ምንጭታትና ከም ዝሓበርዎ ኣብ’ቲ ከባቢ ተፈጢሩ ዘሎ ግጭት ብእዋኑ ፍታሕ ስለ ዘይተገብረሉ ኣመሓደርቲ ክልላት ኣምሓራን ትግራይን ነቲ ብሰንኮም ዝስዕብ ዘሎ ጉድኣትን ሕዚ ዝገብርዎ ዘለዉ ምንቅስቓስን ብመርበብ ሓበሬታ ካብን ናብን መልእኽቲ ከይመሓላለፍ ክብሉ ካብ ዞባ ምዕራብ ክሳብ ታሕታይ ኣድያቦ ኣገልግሎት ስልኪ ስለ ዝዓፀዉዎ ነባሪ ህዝቢ እቲ ከባቢ ኢኮኖሚያዉን ማሕበራዉን ንጥፈታቱ ንከሳልጥ ተፀጊሙ ከም ዘሎ ንምፍላጥ ተኻኢሉ።
   ካብ’ቲ ዞባ እንከይ ወፃእና ኣብ ከተማ ሑመራ ዝነብር ህዝቢ ምዝገባ መረፃ ተጀሚሩ ተባሂሉ ባዕሉ ካርድ ክወስድ ስለ ዘይከኣለ ኣመሓደርቲ ነቲ ህዝቢ ብሓይሊ ኣገዲዶም ከዉፅእዎ ኣብ ዝፈተንሉ ኣይንወፅእ ስለ ዝበለ ከም ሰዓቤኑ ከኣ ኣብ መንጎ ኣመሓደርትን ህዝብን ምስሕሓብ ተፈጢሩ ከም ዘሎ ተፈሊጡ።