ከም ሓበሬታ ምንጭታትና ኣብ ከተማ ሑመራ ዝርከቡ ኣመሓደርቲ ንግዲ
ፍቓድ ኣየሐደስኩምን ብዝብል ምኽኒት ንሰብ ትካላትን ሸቐጣ ሸቐጥን
ካብ 3ተ ሽሕ ክሳብ 60 ሽሕ ብር ከም ዝቐፅዑዎም ድሕሪ ምግላፅ ካብ’ቶም ዝተቐፅዑ ሰባት
ዝተወሰኑ ንምጥቃስ ፦
ግርማይ
ኣቦይ ዝተብሃለ ልጉዲ ሆቴል ዝተኻረየ ነጋዳይ 40 ሽሕ ብር ቅፅዓትን እቲ ሆቴል ድማ ከም ዝተዓሸገን፤ ጀማል ስዒድ መሸጢ ጫት
ዝነበሮ 20 ሽሕ ብር፤ ወ/ሮ መብርሂት ገብረመስቀል ዝተብሃለት ወናኒት ባር 3ሽሕ ብር እዚኦምን ካልኦትን ልዕሊ ዓቕሞም ገንዘብ ክኸፍሉ ካብ ዝተወሰኖም
ተፈሊጡ።
እዚ ከምዚ ኢሉ እንከሎ ገሊኦም ካብቶም ነጋዶ ገዛ ተኻርዮም ዝሽቅጡ
ዝነበሩ ብምንባሮም ክንድ’ዚ ዝኣክል ገንዘብ ኣይንኸፍልን ንግዲ
ፍቓድኩም ኣብኡ እኒሀልኩም ኢሎም ከም ዝደርበዩሎም ንምፍላጥ
ተኻኢሉ።
እቲ ክፍሊ እ.ቶ.ት ግና ንሕና ኣኽፍሉ ተባሂልና‘ምበር ብዛዕባ እቲ ዉሳነ
ንፈልጦ ነገር የብልናን ስለ ዝበልዎም ነባሪ ከተማ ሑመራ ድማ በቲ ዝንቡዕ ኣሰራርሓ ምምሕዳር መረረቱ ኣብ ምግላፅ ከም ዝርከብ
ዝለዓለ ተፈሊጡ።