Sunday, January 25, 2015

ኣብ ዞባ ማእኸል ወረዳ ኣሕፈሮም ዝነብር ህዝቢ ብካድረታት ህወሓት ተገዲዱ ካርዲ መረፃ ይዕደሎ ምህላዉ ምንጭታትና ካብ’ቲ ከባቢ ሓቢሮም።



ብመሰረት ምንጭታትና እቲ ስርዓት ኣብ መላእ ሃገር ካርዲ መረፃ ምዕዳል ኣብ ዝጀመረሉ ግዜ ኣብ ወረዳ ኣሕፈሮም ‘ዉን ተመሳሳሊ ዕደላ ይካየይድ ከም ዘሎ ዝገለፀ እቲ ሓበሬታ ህዝቢ ተገዲዱ ኣብ ዝወስደሉ ዘሎ ሓደ ወላዲ ናይ ደቁ ወሲኹ ናይ ስድራ ሙሉእ መምረፂ ካርዲ ብሓላፍነት ፈሪሙ ክወስድ እንተዘይ ክኢሉ ብናይቲ ከባቢ ኣመሓደርቲ ዝተፈላለየ ፀቕጥታት ከም ዝበፅሖ ተፈሊጡ።
    ሓደ ትሕቲ ዕድመ ዜጋ ንዘይኣመነሉ መረፃ ብመንገዲ ወለዱ ኣቢልካ መረፃ ካርድ ምሃብ ነቲ ኣብ ሕገ-መንግስቲ ዝሰፈረ ንመረፃ ዝምልከት ዓንቀፅ ዝጥሕስ ምዃኑ ምስ ጠቐሰ ጉጅለ ኢህወደግ ኣብ ስልጣን ናይ ምቕፃል ዕድሚኡ ንምንዋሕ ክብል ዝኽተሎ ዘሎ ናይ ምድንጋር ተግባሩ ኣጉሊሑ ዘርኢ ምዃኑ ኣብ መወዳእታ ኣረዲኡ።