Thursday, January 22, 2015

ኣብ ዝተፈላለዩ ኣሃዱታት ምክልኻል ሰራዊት ገዛኢ ጉጅለ ኢህወዴግ ዘለዉ ነባራት ተጋደልቲ ህወሓት ህላወ እቲ ስርዓት ስለ ዘተሓሳሰቦም ክሳናበቱ ይሓቱ ከም ዘለዉ ተሓቢሩ።



ኣብ ዉሽጢ ምክልኻል ዝርከቡ ምንጭታትና ከም ዝሓበርዎ እቶም ስንብታ ዝሓቱ ዘለዉ ኣባላት ሰራዊት ካብ እዋን ብረታዊ ቃልሲ ህወሓት ጀሚሮም ኣብ ዝተፈላለየ ናይ ሓላፍነት ፀፍሒ ተመዲቦም ክሰርሑ ከም ዝፀንሑ ድሕሪ ምግላፅ እቲ ስርዓት ዉሽጡ ቀስ ብቐስ እናተፈራኸሸ ብሓይሊ ሰብ ተመናሚኑ ስለ ዘሎ ኣብ ዝሓፀረ እዋን ገማዕማዕ ኢሉ ምዉዳቑ ኣይተርፎን ዝብል እምነት ብምሓዞም ካብዚ ሓደጋ ኣቐዲሞም ንምእላይ ብስምንብታ ምዉፃእ ዝብል ስጉምቲ ይወስዱ ምህላዎም ተፈሊጡ።
  ኣስዒቡ እቲ ሓበሬታ ኣብ ሓይሊ ኣየር ስታፍ ተመዲቦም ክሰርሑ ዝፀንሑ ተወለድቲ ትግራይ ዝረአ ዘሎ ነፋሪት ሒዝካን ተጎጅልካን ነቲ ስርዓት ራሕሪሕኻ ምውፃእ ኣብ ኣሃዱታት ዓብዪ መዘራረቢ ርእሲ ኮይኑ ብምህላዉ እዞም ነባራት ተጋደልቲ ህወሓት ዝሓትዎ ዘለዉ ስንብታ ድማ ካብ’ቲ ዘሎ ሕማቕ ተርእዮ ንምእላይ ዝዓለመ ከም ዝኾነ ንምፍላጥ ተኻኢሉ።