Thursday, January 22, 2015

ብዉሽጣዊ ፀገሞም ኣብ ዓብዪ ስግኣትን ወጥርን ተዋሒጦም ዝርከብ ካድረታት ህወሓት-ኢህወዴግ ካብ ወፃኢ ዝመፅእ ፀላኢ ከም ዘሎ ኣምሲሎም ኣተሓሳስባ ህዝቢ ንምቕያር ይፅዕሩ ምህላዉ ተገሊፁ።



ብመሰረት ሓበሬታ ምንጭታትና ኣብ ዞባ ሰሜናዊ ምዕራብ ትግራይ ወረዳ ላዕላይ ኣድያቦ ዝርከቡ ኣመሓደርቲ ብሰንኪ ሓላፍነት ዝጎደሎ ኣሰራርሖኦም ኣብ ህዝቢ ስኢነሞ ንዘለዉ ተቐባልነት  ንኸምልሱ ክብሉ ኣብ ዓብዪ ሸበደበድ ተፀሚዶም ከም ዝርከቡ ዝገለፀ እቲ ሓበሬታ ካብ’ቲ ኣንፈት ህዝቢ ንምቕያር ዘካይድዎ ዘለዉ ወፍሪ ሓደ ከኣ ኣብ’ታ ወረዳ ንዘለዉ ዕጡቛት ምልሻ ካብ ደገ ዝመፅእ ፀላኢ ስለ ዘሎ ነዚ ንምምካት ብዝብል ኣብ ፅዑቕ ወተሃደራዊ ታዕሊም ፀሚደሞም ከም ዝርከቡ ተፈሊጡ።
  እቲ ሓበሬታ ወሲኹ ከም ዘረድኦ ካድረታት እቲ ስርዓት ኣብ’ታ ወረዳ ዘሎ ዕጡቕ ምልሻ ምስ ህዝቢ ሓድነት ፈጢሩ ኣንፃሮም ንኸይለዓል ብቁሸት ከፋፊሎም ተኣማንን ዘይተኣማን እናበሉ ክበታትንዎ ዝፀንሑ ኮይኖም ከም መቐፀልታ እከይ ተግባሮም ከኣ ዉሽጣዊ ስምዒት ናይ’ቶም ምልሻ ንምፅናዕ እቲ ስልጠና ክልስ ሓሳብ ኣብ ፍሉይ ቦታ ወላኹ ተግባር ድማ ኣብ ዕልሚ ብኣባላት ስላያ ምክልኻል ሰራዊት ክዋሃብ ብምግባር ኣብ’ቲ ውድብ ዘለዎም ስምዒትን ተገዳስነትን ብረቂቕ የፅንዕዎም መወዳእትኡ ከኣ ዝባረር ኣባሪሮም ተኣመንቲ ዝብሃሉ ንምሕዝ ዝዓለመ ምዃኑ ምንጭታትና ገሊፆም።