Sunday, January 25, 2015

ፀገም መነባብሮ ንዘለዎም ነበርቲ ወረዳ ኣሕፈሮም ሓገዝ ተባሂሉ ካብ ገበርቲ ሰናይ ዝተረኸበ እኽሊ ንዉድብ ህወሓት ዝዉዕል ገንዘብ እናኸፈሉ ክወስዱ ይግደዱ ምህላዉ ተሓቢሩ።



ኣብ’ቲ ከባቢ ካብ ዘለው  ምንጭታትና ዝበፀሐና ሓበሬታ ከም ዘመላኽቶ  ኣብ ዞባ ማእኸል ትግራይ ወረዳ ኣሕፈሮም ዝርከቡ ኣመሓደርትን ካድረታትን ህወሓት ነቲ ካብ ለገስቲ ትካላት ፀገም መነባብሮ ንዘለዎም ነበርቲ ሓገዝ ክዉዕል ተባሂሉ ዝተረኸበ እኽሊ ብቐጥታ ክዕደል እናተገበኦ መሳርሒ ፖለቲካ ይጥቀምሉ ከም ዘለዉ ድሕሪ ምግላፅ ዝኾነ ሰብ ሓገዝ እኽሊ ክወስድ ኣቐዲሙ ኣባል ናይ’ቲ ዉድብ ክኸዉን ምግዳዱ ከይኣኽሎ እኽሊ ክዋሃቦ እንተሎ  ብኣመሓደርቲ እታ ወረዳ ዝተተመነሉ ገንዘብ ክፈል ይግደድ ከም ዘሎ ተፈሊጡ።
    እቲ ብኣስገዳድ ህዝቢ ክኸፍሎ ዝድደሉ ዘሎ። ናይ ህወሓት ኣባልነት፤ ናይ ማሕበር ልምዓት፤ ናይ ማሕበራዊ ጉዳይ፤ መራገፍን መቐበል ኣጋይሽ ን፤ ናይ ዝተፈላለዩ ወፃኢታት መሸፈኒ እናበሉ ካብ ነፍሲ ወከፍ ሓገዝ ዝወስድ ሰብ ሕጋዊ ቅብሊት ብዘይብሉ ብኣማኢት ኣሽሓት ገንዘብ ኣኽፊሎም መሕበጢ ጅብኦምን መጠናኸሪ ዉድቦምን የዉዕልዎ ምህላዎም ምንጭታትና ካብ’ቲ ከባቢ ወሲኾም ገሊፆም።