ካብ ዝተፈላለዩ ከባቢታት ትግራይ ዝመፀና ሓበሬታ ከም ዘመላኽቶ ነቲ በቲ ስርዓት ኣብ መፃኢ ወርሒ ግንቦት 2007 ክካየድ ዝሕሰብ ዘሎ ምስሉይ መረፃ ሰለ ዘይኣመነሉ መንእስያት ክልል
ትግራይ መምረፂ ካርዲ ኣይንወስድን ስለ ዝበሉ ብካድረታት ህወሓት
“ጃሱሳት” ዝብል ቅፅል ሽም ተዋሂብዎም ይፅረፉን ይፈራርሑን ምህላዎም ተፈሊጡ።
እዞም
መንእስያት ካርዲ መረፃ ኣይንወስድን፤ ኣይንመርፅን ምባል መሰልና እዩ፤ ዕድመ ስልጣንኩም ከተናውሑ ብምሕሳብ ነቶም ህዝቢ
ዝድግፎም ኣባላት ተቓወምቲ ውድባት ትኣስርዎም ስለ ዘለኹም
እንመርፆ የብልናን ኣይተገዱዱና ብምባል ተቓውሞኦም የስምዑ ምህላዎም እቲ ሓበሬታ ወሲኹ ገሊፁ።