Wednesday, January 28, 2015

ኣብ ክልል ኣምሓራ ዝነብር ህዝብና መሬት ዝወረረ መንግስቲ ኣይንመርፅን ብምባል ናይ መረፃ ካርዲ ካብ ምውሳድ ተቖጢቡ ከም ዘሎ ካብቲ ከባቢ ዝበፀሐና ሓበሬታ ኣመልኪቱ።



ብመሰረት ሓበሬታ ምንጭታትና ኣብ ከተማ ጎንደር፤ ወረዳታት መተማን ሳንጃን ዝርከብ ህዝቢ ብ6 ጥሪ 2007 ዓ/ም ናይ መረፃ ካርዲ ኣይንወስድን፤ ኣይንመርፅን ኢሉ ኣብዩ ከም ዘሎን ብፍላይ ህዝቢ ወረዳ ሳንጃ መሬት ዘሕድግ መንግስቲ ኣይንደልን ኣይንመርፅን ከም ዝበለ ተፈሊጡ።
     እቲ ሓበሬታ ወሲኹ ከም ዝገለፆ ዋና ኣመሓዳሪ ወረዳ ሳንጃ ኣቶ ሰለሞን እንዳሻው ድማ ምስቲ ህዝቢ ወጊንካ ኣንፃር መንግስቲ ውሽጢ ውሽጢ ተተሓባብር ኢኻ ተባሂሉ በቲ ስርዓት ተኣሲሩ ከም ዘሎ ንምፍላጥ ተኻኢሉ።