ኣብ ክልል ኣምሓራ ዞባ ሰሜን ጎንደር ወረዳታት ላዕላይን ታሕታይን
ኣርማጭሆ ዝርከብ ህዝቢ መረፃ ካርዲ ንምሓዝ ክምዝገብ ከም ዘለዎ ብኣመሓደርን ካድረታትን ገዛኢ ጉጅለ ብኣዴን-ኢህወዴግ
ንዝቐረበሉ ተደጋጋሚ ጎስጓስ ንመን ክንመርፅ ኢና ናይ መረፃ ካርድ ንሕዝ ብምባል ነቲ ክካየድ ተወጢኑ ዘሎ ምስሉይ መረፃ እቲ
ስርዓት ከም ዝነፀጎ ምንጭታትና ካብ’ቲ ከባቢ ካብ ዝለኣኹልና ሓበሬታ ክፍለጥ ተኻኢሉ።
ኣስዒቡ እቲ ሓበሬታ ከም ዘረድኦ ኣብ ስልጣን ዘሎ ስርዓት ልክዕ ከምቲ ኣብ ካልኦት ከባብታት ሃገርና ዝገብሮ ዘሎ
ኣብቲ ዞባ‘ዉን ካብ ዝሓለፈ 1 ጥሪ 2007 ዓ.ም ጀሚሩ ምዝገባ መረፅቲ ዝብል ናቑጣታት ከፊቱ ህዝቢ ካርድ መረፃ ክሕዝ
ጎስጓስ ኣካይዱ ክኾነሉ ስለ ዘይከኣለ ኣብ ክንድኡ ብመምርሒ
ከትሕዞ ዋላ’ኳ እንተፈተነ ክሳብ ሕዚ እቲ ህዝቢ ኣብ ቃሉ ብምፅንዑ ኣብ ሰበ ስልጣን እቲ ጉጅለ ዓብዪ ሻቕሎት ፈጢሩ ከም
ዝርከብ ተፈሊጡ።