ኣብ ክልል ኦሮሚያ ዝርከቡ ኣብ ካልኣይ ደረጃ ኣብያተ ትምህርቲ ዘምህሩ መማህራን
ኣብ ስልጣን ዘሎ መንግስቲ ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ደመወዝ ወስኽ ከም ዝገበረ ብማዕከናት ዜንኡ ክዛረበሉ ከም ዝፀንሐ ድሕሪ ምግላፅ
ክሳብ ሕዚ ግን ደመወዝ ከም ዘይተወሰኹ ንግዳያት መሰረት ብምግባር ምንጭታትና ዝለኣኽዎ ሓበሬታ ገሊፁ።
ኣስዒቡ እቲ ሓበሬታ እቶም መማህራን ስለ ምንታይ ደመወዝ ዘይተውሃበና ኢሎም
ንቢሮ ትምህርቲ ክልል ኦሮሚያ ኣብ ዝሓተቱሉ ግዜ ድማ እቲ ዝተገብረ ወሰኽ ንቀዳማይ ድግሪ ዘይኮነስ ንሱፐርቫይዘራት ጥራሕ እዩ
ብምባል ስለ ዝመለሱሎም ቃሉን ተግባሩን ዘይሳነ ጠላም ስርዓት ብምባል መረረቶም ኣብ ምስማዕ ከም ዝርከቡ ንምፍላጥ ተኻኢሉ።
በቲ ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ወሰኽ ደመወዝ ከም ዝተገብረ ዝተነገረ ግን ድማ ኣብ
ኩሉ ክልላት ሃገርና ተግባራዊ ዘይኮነ መማህራን ዝርከብዎም ብዙሓት ሰራሕተኛ መንግስቲ ምስ’ቲ ክብሪ ዋጋ ዕዳጋ ተደሚሩ ሕቶ ፀገም
መነባብሮ የስምዑ እኳ እንተሃለዉ ፀገሞም ዝፈትሕ ምላሽ ከም ዘየረኸቡ
ምንጭታትና ወሲኾም ገሊፆም።