ምንጭታትና ካብ’ቲ ከባቢ ከም ዝሓበርዎ። ገዛኢ ስርዓት እቲ
ናይ ክልቲኡ ህዝቢ ግጨት መናዉሒ ዕድመ ስልጣኑ ይጥቀመሉ ከም
ዘሎ ተደጋጊሙ ምስ ተገለፀ ንከምስል ርእሰ ምምሕዳር ክልል ትግራይ ተባሂሉ በቲ ስርዓት ተቐሚጡ ዝርከብ ውልቀ-መላኺ ኣባይ
ወልዱ ብ23 ታሕሳስ 2007 ዓ.ም ናብ’ቲ ግጭት ዝካየደሉ ዘሎ ግጨዉ ዝተባህለ ከባቢ ተንቀሳቒሱ ንህዝብን ምምሕዳርን ላዕላይ
ኣርማጭሆ ኣብ ዘዘራረበሉ እዋን ዝሃብዎ ምላሽ “ንስኻ ፀገምና ትፈትሕ ዘይኮንካስ ፀገምና ተጋድድ ኢኻ ብምባል ነቲ ዘበገሶ
ሓሳብ ከም ዝነፀግዎ ክፍለጥ ተኻኢሉ።
ምንጭታትና
ወሲኾም ከም ዘረድእዎ ኣባይ ወልዱ ኣብ ተመሳሳሊ ዕለት ናብ ዳንሻ ብምኻድ ኣባላት ናይ’ቲ ስርዓት ኣኪቡ “መበገሲ ናይቲ ግጭት
እንታይ ምዃኑ” ኣብ ዝሓተተሉ ንሳቶም “ነቲ ህዝቢ እናጋጨዉ ዝርብሹና ዘለዉ ኣብ ዉሽጥና ሰሊኾም ዝኣተዉ ግንቦት 7ተን
ሃርበኛን እዮም” ኢሎም እኳ እንተመለስሉ እቲ ኣብቲ መድረኽ ዝተዛረብዎ ሪኢቶ ግን ናይ ባዕሎም ዘይኮነስ ኣቐዲሙ ብካድረታት እቲ
ስርዓት ዝተዋሃብዎ ንህዝቢ መደናገሪ ሓሳብ ዘቕርብዎ ዘለው ዘይእመን ምኽኒት ከም ዝኾነ ተፈሊጡ።
ብተመሳሳሊ ኣመሓዳሪ ዞባ ሰሜን ጎንደር ናብ ኣመሓዳሪ ዞባ ምዕራብ ትግራይ
ብ10 ታሕሳስ 2007 ዓ.ም ብቁፅሪ ሀ/መ/መ/203/0107 ኣብ ዝፃሓፎ ደብዳቤ “ህዝብኹም መሬቱ ካበይ ናበይ ምዃኑ ክፈልጥ
እንተዘይ ገይርኩም በቲ ባእሲ ዝስዕብ ዘሎ ጉድኣት ተሓተቲ ኣመሓደርቲ ትግራይ ኢኹም” ከም ዝበሎም ኣብ ናይ ዝሓለፈ ዜናና
ገሊፅና ምንባርና ይዝከር።