Wednesday, January 7, 2015

ህዝቢ ከተማ ሰሮቓ ብ21 ታሕሳስ 2007 ዓ/ም ኮኾብ ዘይብላ ባንዴራ ሃገርና ብምሓዝ ኣንፃር ስርዓት ኢህወዴግ ናይ ተቓውሞ ሰለማዊ ሰልፊ ከም ዘካየዱ ተገሊፁ።



    ኣብቲ ከባቢ ዝርከቡ ምንጭታትና ከም ዝሓበርዎ ነበርቲ ከተማ ሰሮቓ ፍትሓውነት ብዘይብሉ ምሕደራ መሬት ይሳቐዩ ከም ዘለዉ ድሕሪ ምግላፅ ነዛ መለለዪት ስርዓት ኢህወዴግ ዝኾነት በዓልቲ ኮኾብ ባንዴራ ገዲፎም ነታ ምንም ምልክት ዘይብላ ባንዴራ ሃገርና ብምሓዝ “እዛ ባንዴራ እዚኣ ኣብ ዝነበረቱሉ እዋን ዝነበረ መሬትና ይመለሰልና” ዝብሉን ካልኦትን ሕቶታት ብምብጋስ ኣንፃር ገዛኢ ስርዓት ናይ ተቓውሞ ሰለማዊ ሰልፊ ከም ዘካየዱ ተፈሊጡ።
    ሓበሬታ ምንጭታትና ወሲኹ ኣባላት ፖሊስ ከተማ ሰሮቓ ነዚ ባንዴራ እዚ ሒዝኩም ሰለማዊ ሰልፊ ኣይትወፁን ብዝብል ነቲ ሰልፊ ክእግድዎ’ኳ ሓሲቦም እንተነበሩ ብምሕደራ ስርዓት ኢህወዴግ ንዝተማረረ ህዝቢ ግን ክዓግትዎ ከም ዘይከኣሉ ኣረዲኡ።
    ካብ ከባቢ ሰሮቓ ከይወፃና ብ10 ታሕሳስ 2007 ዓ/ም ኣብ ኣንገረብን ሰሮቓን ንዝርከቡ ዓበይቲ ሩባታት ዘራኽብ  ደንበር ዓዉደር-ራፍዕ  ዝኾነ ቦታ ናይ ክልቲኡ ክልል ፍሉይ ሓይሊ ብዝተብሃሉ ዕጡቛት ብዝበግስዎ ተኹሲ ብርክት ዝበሉ ከም ዝሞቱን ከም ዝቖሰሉን ድሕሪ ምግላፅ ካብ’ቶም ዝሞቱ ገለ ኣብነት ንምጥቃስ፦
  ካብ ትግራይ ተሸመ በለጠ፤ ናስር ዓብደል ቃድር፤ በርሀ ጋይም ዝተብሃሉን ካልኦትን እንትኾኑ ካብ ክልል ኣምሓራ ድማ፦ ሞራድ ዓብደልዋስዕ፤ ገብረኣምላኽ ታደሰ፤ ሙክታር ዓብደልኣሚን ፤ ኣለነን ካልኦትን ከም ዝርከብዎም ዝገለፀ እቲ ሓበሬታ ኣብቲ ከባቢ ወጥሪ ነጊሱ ህዝቢ እቲ ከባቢ ኣብ ከቢድ ስጋት ከምዘሎ ንምፋላጥ ተኻኢሉ።