ኣብ ሕቑፊ ንሰላም ዝፅየፍ ስርዓት ኮይንካ ሰለማዊ ፖለቲካዊ ቃልሲ ክተካይድ
ምሕሳብ ዜጋታት ንሰላም ዝገብርዎ ቃልሲ ካብ ምድስካል ሓሊፉ ካልእ ውፅኢት ምፅባይ የዋህነት እዩ።
ስርዓት ኢህወዴግ ንሰላም ዝፅየፍ ምዃኑ ካብ ዘግህዱ ዓበይቲ ኣብነታት ኣብ መንጎ ትግራይን ኣምሓራን፤ ኣብ መንጎ ዓፋርን ሶማልን፤ ኣብ መንጎ ትግራይን
ዓፋርን ክሳብ ደም ምፍሳስ ዘብፅሕ ዘሎ ዕግርግር ኮነ ኢሉ እቲ ስርዓት ውሽጢ ውሽጢ ዘሳውሮ ዘሎ ሓዊ እዩ፣ ምኽንያቱ ህዝብታት
ኢትዮጵያ ሓድነቶም ምጥንኻር ዕድመ ስልጣን ኢህወዴግ ምሕፃር ማለት ስለ ዝኾነ ምፍልላይና ልዕሊ ካልእ ጓና እዩ ዝደልዮ።
ኣብ ሃገርና ዘለው ሰለማዊ ፖለቲካዊ ቃልሲ ዘካይዱ ውድባት ምውዳቦም
ፅቡቕ ኮይኑ ክሳብ ክንደይ ውፅኢታዉያን ክኾኑ ይኽእሉ ግን ናይ ኩሉ ደላዪ ለውጢ ህዝቢ ሕቶ እዩ፣ ክሳብ ሕዚ ካብ ንህዝብን ሃገርን
ንላዕሊ እቲ ስርዓት ንፖለቲካዊ ስራሕቱን ንፖለቲካዊ ቃልሲ ዕድል
ዝኸፍት ዴሞክራሲ ኣስፊነ ኣለኹ መበልን ከይሓፈረ ትካቦ ፀዓዱ ንክቕበልን ይጥቀመሎም ኣሎ።
ኣብ ክንዲ ኣብ ሓደ ተጠርኒፎም ቅልጡፍ ዕብየት ከምፅኡ ኣብ 90 ቅሚጦታት
ተበቲኖም። እቶም ዝበዝሑ መናውሒ ዕድመ ናይቲ ስርዓት ኮይኖም ይቕፅሉ ኣለው፣ እዞም ውድባት እዚኦም ውድባዊ ነፃነት ዝበሃል ዘይብሎም
ካድረታት ናይቲ ገዛኢ ስርዓት ከም ድልየቶም እናኣተዉ ዝዕንድሩሎም እዩም፣ ብኻልእ ወገን ድማ ኣብ ውሽጢ እተን ውድባት ተቓወምቲ
ኣምሲሉ ናይ ባዕሉ ሰባት ብምልኣኽ ኣብ ምብትታትን ሓያል ሚና ይፃወት ኣሎ፣ ዋላ ነቶም ሓቀኛታት ተቓወምቲ በብግሎም እናረኸበ ከምዚ ይብድሉኻ ኣለው፤ ንስኻ ኢኻ መራሒ ክትከውን ዝግበአካ፤ ካብኣቶም
ጥራሕ ኣፈንግጥ ምበር ክንሕግዘካ ኢና ዝብል ብኣጉል ተስፋታት ብምድላል ኣብ ሕቁፉ ንዘለው መራሕቲ ተቓወምቲ ውድባት ፋሕፋሕ ክብሉ
ይገብር ኣሎ።
እዚ ካብ የማናይ
ኢድን ብኢህወዴግ ግበር ኣይትግበር እናተበሃለ ዝሰርሕ ዘሎ ምርጫ
ቦርድ ናይዚ እከይ ተግባር ኣብነት ኮይኑ ኣሎ፣ “ኣብ ፌደራልን ኣብ ክልላትን ነፃን ትኽክለኛን መረፃ ብሻራ ኣልባ ደውታ
/ገለልተኛ/ ንኽካየድ ካብ ዝኽዕነ ይኹን ፅዕንቶ ናፃ ዝኾነ ሃገራዊ ቦርድ መረፃ ይቐውም” ዝብል ኣብ ዓንቀፅ 102 ቁ.1 ናይቲ ሕገ መንግስቲ
ሰፊሩ ይርከብ፣ ይኹን‘ምበር ኣብ ሃገርና ዘሎ መረፃ ቦርድ ኣሰራርሕኡ ካብ መጠን ንላዕሊ ነቲ ገዛኢ መንግስቲ ዘዳሉ እዩ፣ ኣብዚ ቅንያት ካብ ሓላፍነቱ ወፃኢ ብምስራሕ ኣብ ውሽጢ ውድባት ዘየድሊ
ኢድ ምትእትታው እናገበረ ምብልላዕ ፈጢሩ ካብ መረፃ ንምግላል ፃዕርታት ክገብር ወሪሑ ኣሎ፣ ወቕቲ መረፃ ኣብ ዝተቐራረበሉ
እዋን ምኽንያታት ምፍጣር፤ ናይ ተብተብ ጉባኤታት ንከካይዱ ምግዳድ፤ንውሽጣዊ ኣሰራርሓኦም ምቅዋምን ምስምማዕ ስኢኖም እናበለ
ናይ ፀለመ ስራሕቲ ኣብ ምክያድን ኢህወዴጋዊ ልእኽቶኡ እናሰላሰለ ይርከብ፣ ተቓወምቲ ውድባት ውሽጣዊ ሽግራቶም ኣብ ክንዲ
ባዕሎም ክፈትሑ ካብኡ እንተሓሊፎም ድማ ብመንገዲ ቤት ፍርዲ ክውዳእ እናተገብኦ መረፃ ቦርዲ ዓራቒ መሲሉ ኣብ መንጎ ብምእታው
ክበታትኖም ንዕዘብ ኣለና።
እቲ ብሕማቕ ምሕደራ ናይቲ ስርዓት ዓቕሉ ዝፀንቀቐ ህዝቢ ግን ኣብ መረፃ
ኢህወዴግ ዘለዎ ተስፋ መሊኡ ስለ ዝፀልመተ በብ ከባቢኡ ተቓውሞታት ምክያድን ናይ መረፃ ካርዲ ካብ ምውሳድ ምሕራምን ወዘተ
ስጉምትታት ይወስድ ኣሎ፣ ዕድመ ስልጣኖም ከየብቅዕ ዝሰግኡ ኣማሓደርቲ እቲ ስርዓት ግን ነቶም ኣድማ በተንቲ ኢሎም ዘሰልጠንዎም ልኡኻቶም ብምውፋር ነቲ ህዝቢ
እናጨፍጨፉ ካብቲ ሰልፊ እናበተንዎ ይርከቡ።
ካብኡ ሓሊፎም ድማ ናይ መረፃ ካርዲ ንዘይሓዘ ሰብ ኣገልግሎት ሕክምናን
ፍትሕን ከምኡ’ዉን ከም ሽኮር፤ ዘይቲ፤ ወዘተ ዝኣመሰሉ ጠለባትን
ኣይትረክብን ኢኻ እናበሉ እናኣገድዎ ይርከቡ።
ስለዚ ነዚ
ንሰላም ዝፅየፍ ፀረ ዴሞክራሲ ዝኾነ ስርዓት ብሰለማዊ መንገዲ ስልጣን ከም ዘየረክብ ብርዱእ ቋንቋ ነጊሩና ስለ ዘሎ በቲ ዝኣምነሉ
ኣፈሙዝ ብረት ገጢምና ካብ ሃገር ምጉሓፍ ይፅነሐለይ ዘይበሃሎ እዋናዊ ስጉምቲ ምዃኑ ኣሚንና ሐዚ ንለዓል።